ማእኸላይ ኮሚቴ ኦህዴድ ስሩዕ ኣኼባ የሳልጥ ኣሎ

176

ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብ ኦህዴድ ስሩዕ ኣኼባ የሳልጥ ኣሎ።

እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ዘሳልጦ ዘሎ ኣኼብኡ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝካየድ መበል ታሽዓይ ጉባኤ እቲ ውድብ ዝህልዉ ኣጀንዳታት ብዝምልከት ዘተ ከምዘካይድ ቤት ፅሕፈት ማእኸላይ ኮሚቴ ኦህዴድ ኣፍሊጡ።

ነዚ እውን ኣብ’ቲ ስሩዕ ጉባኤ ዝቐረብ ረቂቕ ፀብፀብ ኣድሂቡ ከምዝግምግም ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ በጀት 2011 ዓ.ም እቲ ወድብ መርሚሩ ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ዘሎ እንትኸውን፥ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምዝታይ ኣንፈት ከቐመጥ ኢዩ ተባሂሉ።

ካብ’ዚ ሓሊፉ እቲ ወድብ በፂሑዎ ካብ ዘሎ ብርኪ ቃልሲ ብምብጋስ ዝግበሩ ለውጥታት ብዝምልከት ውሳነ ሓሳባት ከሕልፍ ኢዩ።

Comments are closed.