“ዝሓለፈ 27 ዓመት ዓዲ ጠፊኣ!” ንዝብል ትኽክል ኢኻ ኢልካ ትቕበሎ እንተኾንኻ ፀገም’ዩ-ኣይተ ጌታቸው ረዳ

326

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ቅድም ክብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህር ሕጊ ዝነበሩ ደሓር ድማ ክሳብ ሓላፊ ሚኒስትር ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ፌዴሪኢ ኮይኖም ዘገልገሉ እዮም። ሕዚ ድማ ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ህወሓት/ኢህወዴግን ኣማኻሪ ጉዳያት ፖለቲካ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኮይኖም እናሰርሑ ይርከቡ። እቶም ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ዛዕባታት ሃገርን ክልልን ኣድሂቡ ንዝቐረበሎም ሕቶታት ዝሃብዎ ምላሽ ብመልክዕ ቃለ መሕትት ከምዝስዕብ ተዳሊዩ ኣሎ።

ሕቶ:- እዋናዊ ፖለቲካ ኩነታት ሃገርና እንታይ ይመስል ኢልካ ምግላፅ ይከኣል?

ኣይተ ጌታቸው:- ብሓፂር ቋንቋ ትገልፆ ነገር ኣይመስለንን። እቲ ቀንዲ ነገር ግን ኣብ ስግኣትን ኣብ ተስፋን ትኹረት ጌርካ  ምርኣይ ፅቡቕ ይመስለኒ። ስግኣት ዝፈጥሩ ነገራት ቅድሚ ሕዚ ዝነበሩ ኣብ ኢህወዴግ ይኹን ኣብ መንግስቲ ዝነበሩ ትካላዊ አሰራርሓታት ዝፈርስሉ፣ ንምግማቱ ዘፀግም ኣካይዳ እውን ብስፍሓት ዝረአየሉ ኩነታት ኣሎ። ኩነታት ፀጥታ ሃገርና እውን በቢዕለቱ ናብ ሓደጋ ዝወደቐሉ፣ ብሄር ተኮር ጎንፂታት እናሰፍሑ ዝመፅእሉ፣ ቅድሚ ሕዚ ህዝቢ ዘልዕሎም ዝነበሩ ናይ ልምዓት ይኹን ሕቶታት ሰናይ ምምሕዳርን ዲሞክራሲን ህውከት ብዝተመልኦ መንገዲ ዝቐርቡሉ ብሓፈሻ ህልውና ሃገር ኣብ ሓደጋ ዝወደቐሉ ኩነታት ኣሎ። ካብዚ ብምብጋስ ከምስግኣት ክረአ ዝኽእል ብሓፈሻ እዚ እዩ ኢልካ ወሲድካ ይኹን እምበር ተስፋ ምሉእ ብሙሉእ ዝተፀንቀቐ እዩ ኢልካ ክተወስድ ኣይትኽእልን። ልዕሊ ኹሉ ህወሓት እውን ሓዊስካ ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ናይ ህዝቢ ሕቶ ክንምልስ እንተኾይና ህልውና ሃገርና ክነረጋግፅ እንተኾይንና ፀገምና ክንርኢ ኣለና፤ ናብ ውሽጥና ክንርኢ ኣለና ዝብል ዝሓለፋ ሓሙሽተ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብጣዕሚ እናተጠናኸረ እዩ መፂኡ። ሕዚ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሃገር ኣብ ቀራና መንገዲ ዝኣተወትሉ ኩነታት እናሃለወት እውን ንባዕልና ውሽጥና ከየዐረና ናይ ዓዲ ህልውና ክነቐፅል ኣይንኽእልን ዝብል እምነት ብስፍሓት ይረአ ኣሎ እዩ፡፡

ካሊእ ኣብ መናእሰይ ናይ ለውጢ ድልየት ኣሎ። ትግራይ ንኣብነት እንተወሲድና ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዝተገበረ ናይ ተሃድሶ ለውጢ ምንቅስቓስ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ። እቲ ለውጢ ድማ ኣብ ትኽክለኛ ረብሓ ህዝቢ ክምስረትን ብኡ ኣቢሉ ድማ ኣብ ትግራይ ዝተረኣዩ ፀገማት ክፍትሑን ህወሓት እውን ብክልል ብርኪ ሕቶታት ህዝቢ ኣብ ምምላስ ዝነበሩ ድኽመታት ክእርም ሰፊሕ ምንቅስቓስ ይካየድ ኣሎ፡፡ ስለዚ ዋላ እተን ፀገማት ይሃልዋ ብቐንዱ ናይ ተስፋ ምልክታት እውን ኣለው ተባሂሉ ክውሰድ ይኽእል።

ስለዚ ቅድሚ ሕዚ ህወሓት ኣብ ትግራይ ዘርእዮ ዝነበረ ምጉዳል ትኹረት ሕዚ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ዝበፅሐሉን እተን ፀገማት ተኣርየን ተቖፂረን ዝፍተሓሉን ኩነታት ኣብ ምፍጣር ፅቡቕ ምንቅስቓስ ተጀሚሩ ኣሎ። ብብርኪ ሃገር እውን እንተኾነ ከድሕነና ዝኽእል ከምኡ ዓይነት ውሽጥኻ ርኢኻ ፀገማትካ ናይ ምፍታሕ ድልውነት እዩ ክኸውን ዘለዎ። ሕዚ ናብኡ ዲና ክንኣቱ ወይስ ኣይንኣቱን? ዝብል ከም ሕቶ ክለዓል ይኽእል እዩ። ብወሳናይ መልክዑ ግን ሃገር ክትድሕን እንተኾይና ውሽጥኻ ርኢኻ ፀገማት ናይ ምፍታሕ ነገራት ብውነ ክእቶ ከመዘለዎ ግልፂ ይኾን ኣሎ። ሕዚ ኩነታት ኢትዮጵያ መብዛሕቲኡ ስግኣት ዝዓብለሎ ግን ድማ ናይ ተስፋ ምልክታት እውን ብፍላይ ኣብ መናእሰይ ብስፍሓት ዝረኣየሉ እዩ። ከም ውድብን ከም ህዝብን ኣብ ክልልና ይኹን ብብርኪ ሃገር እቲ ዝረአ ዘሎ ምልክታት ስግኣት እንተተፈቲሑ እቲ ተስፋ ብዝሓሸ ብርኪ ዝጥጥዐሉ ኩነታት ኣብ ምፍጣር ክንነጥፍ ኣለና።

ሕቶ:- በቲ ሕዚ ዘሎ ተርእዮታት ኢትዮጵያውነት ዝሽርሸር ሓደጋ ምብትታን ዘንፀላሉ ተግባራት ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲይርኣይ ኣሎ፤ ኣብ እዚ ጉዳይ እንታይ ርኢቶ ኣለዎም?

ኣይተ ጌታቸው:- ኢትዮጵያውነት ይሽርሸር ኣሎ ዝብል ብክልተ ነገር እንተረኣናዮ ይሓይሽ፡፡ ህዝብታት ብዛዕባ መንነቶም ፍሉይ ትኹረት ሂቦም ምንቅስቓስ ምጅማሮም ጥራሕ ነቲ ኢትዮጵያውነት ይሽርሽር ኣሎ ዝበሃል እንተኾይኑ፤ ከምቲ ብዙሕነት ዘይቕበል ኩሉ ነገር “ሓደ ልቢ! ሓደ ባህሊ! ሓደ ሃገር!” እናተባሃለ ዝዝመር ዝነበረ ኣተሓሳስባ ነፀብራቕ ይኸውን። እቲ ሃገራዊ ስምዒት ብዛዕባ መንነትካ ብምጥባቕ ኣይሽርሸርን። ተጋሩ ብመንነቶም ብምኹረዖም፣ ኦሮሞ ብመንነቶም ብምኹረዖም፣ ካልኦት ብሄራት ብመንነቶም ስለዝኾርዑ ኢትዮጰያዊ መንነት ኣይሽርሸርን። ኢትዮጵያዊ ኣተሓሳስባን ኢትዮጵያዊ መንነትን ኣይሽርሸርን። እዚ ሓደ መበገሲ እዩ።

ብኻሊእ ገፅ ድማ ኣብ ናይ መንነት ትኹረት ኣብዝግበረሉ ሰዓት ቀዳምነት “ኣነን ብሄረይን ጥራሕ!” ዝብል ናይ ካልኦት ኣሕዋትን ኣሓትን ጥቕሚ፣ ኣተሓሳስባን እምነትን ኣብግምት ዘየእተወ ኩሉ ነገር “ኣነን ኣነን ብዝበልኩዎ ጥራሕ ክምራሕ ኣለዎ!” ዝብል ኣከያይዳ ግን ዓብይ ሓደጋ ዘስዕብ እዩ። ኢትዮጵያያውነት ሓሳብ እውን ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ዓብይ ኣስተዋፅኦ ይገብር ኣሎ። ስለዚ ብዙሕነት ምቕባል ሓደ ነገር ኮይኑ፥ ዲሞክራሲያዊ ብዝኾነ ብርኪ መንነትካ ምስጓም እውን ሓደ ነገር ኢዩ። ሃገራዊ መንነት ብዝጭፍልቕ መንገዲ ኣብ ገለ ገለ ከባብታት ዝረአ ዘሎ ጥዕና ዘለዎ ዘይመስል ኣከያይዳ ግን ሓደጋ ክፈጥር ከምዝኽእል ምርዳእ ይከኣል እዩ። እቲ ቀንዲ ነገር ሃገራዊ ስምዒት “ኢትዮጵያ! ኢትዮጵያ !” ናይ ምባል ዘይኾነ መንነት ዘየኽበረ ኢትዮጵያውነት ክህሉ ከምዘይኽእል ንናይ ኣምሓራ መንነት መስዋእቲ ዝገበረ ኢትዮጵያውነት ናይ ትግራዋይ መንነት መስዋእቲ ዝገበረ ኢትዮጵያውነት፣ ናይ ኦሮሞ፣ ኢትዮጵያ ሱማሊ መስዋእቲ ዝገበረ ኢትዮጵያውነት ክህሉ ኣይኽእልን። ስለዚ በዚ ብርኪ እዚ እንተረኣናዮ ይሓይሽ።

ኣብ’ዚ መዳይ እቲ ሕገ መንግስቲ ብግልፂ ዘቐመጦ ነገር ኣሎ፡፡ ከም ዓንዲ ገይሩ ዘቐመጦ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ እቲ ዝሓለፈ ኣብ ታሪኽ ዝገጥሞም ዝነበረ ፈተናታት ኣብ ታሪኽ ዝገጥሞም ዝነበረ ዘይፍትሓዊ ርክባት ኣማሓይሾም ናብ ዝሓሸ ኢኮኖሚያውን ማሕበረሰባውን ምዕባለ ክዓብዩ ምግባር ዝብል እዩ። ስለዚ ብሓደ ወገን ብታሪኽ ዘጋጠሞም ስእነት ፍትሒ ዝፍትሐሉ፣ ብቋንቆኦም ዝጥቀሙሉ፣ ብመንነቶም ዝኾርዑሉ ኩነታት ክንፈጥር ኣለና። ይኹን እምበር ብቋንቋን መንነትካን ምኹራዕ ንባዕሉ ከምናይ መወዳእታ ተገይሩ ኣይውሰድን። ልዕሊ ኹሉ እታ ዝማዕበለትን ሓያልን ኢትዮጵያ ኣብ ምህናፅ እውን ናይ ባዕሉ ተራ ክህለዎ ክኽእል ኣለዎ። ስለዚ ክልቲኡ ኣዋዲድካ ናይ ምኻድ ጉዳይ ኮይኑ ምርዳእ ዘድሊ ይመስለኒ።

ሕቶ :- ኣብ ኢትዮጵያ ሶማሌን ካልኦት ከባብታት ሃገርናን ዝረአዩ ዘለው ጎንፅታት መንቀሊኦም እንታይ እዩኣተኣላልያኦምኸ ከመይ ክኸውን ኣለዎ?

ኣይተ ጌታቸው:- እዚ ፈሊና እንተረኣናዮ ፅቡቕ እዩ። ክልል ኢትዮጵያ ሶማሌ ምስ ክልል ኦሮሚያ ልዕሊ ሓደ ሽሕን ሽዱሽተ ሚኢትን ኪሎ ሜትሮ ይዋሰኑ እዮም። ቋንቋ ኦሮምኛ ዝዛረብ ንባዕሉ ግን ከም ሶማሌ ገይሩ ዝቖፅር፤ ከምኡውን ሶማልኛ ዝዛረብ ሰብ ግን ድማ ባዕሉ ኦሮሞታይ ጌይሩ ዝቖፅር ብዙሕ ህዝቢ ኣሎ። እዞም ህዝብታት ንኣማኢት ዓመት ዝኾን ርክብ ኣለዎም፤ ንሱ እውን ብቋንቋን ብባህልን ይራኸቡ እዮም፡፡ ግን ብወሳኒ መልክዑ እቲ ዝተፈጥረ ጎንፂ ናይ መሬት እውን ኣይመስለንን። ምኽንያቱ እቲ ኸባቢ ብዙሕ ግዜ ናይ ሰበኽ ሳግም ከባቢ እዩ። ስለዚ እዚኦም ርክቦም ዝቆፃፀሩሉ መንገዲ እውን ብጣዕሚ ፅቡቕ እዩ። ኣብ’ቲ ኸባቢ ግን ዘይግበኦ ክረክብ ዝደሊ ኣማሓዳሪ ጥቕሙ ከረጋግፅ ዝኽእለሉ ሓደ መንገዲ ኢሉ ዝወስዶ ዘሎ ኣብ መንጎ ህዝብታት ጎንፅን ቅርሕንትን ምፍጣር እዩ።

ከምቲ ኣብ ናይ ኢህወዴግ ፖለቲካዊ ትንታነ ኩልሻዕ ንገልፆ ኣተሓሳስባ ኣካብነት ክራይ ዝፈጠሮ እዩ። ዋላ ከምቲ ናይ ኦሮሞን ኢትዮጵያ ሶማሌን ዝተጋደደ ኣይኹን ኣብ ካልእ ገለ ገለ ከባቢታት እውን ሓዊሱ መሬት ሸይጡ ዝወደአ ወረዳ ኣማሓዳሪ ኣብጥቕኡ ኣብ ዘሎ ወረዳ ዘሎ መሬት “ናትና እዩ!” ናብ ምባል ይኸድ ኣሎ። ስለዚ “ናትና እዩ!” ክብል እንተኾይኑ “ናተይ እዩ!” ክብል ኣይኽእልን፡፡ ክሸጦ እንተኾይኑ በይኑ እዩ ክጥቀመሉ። ከካርዮ እንተኾይኑ እውን በይኑ ይጥቀመሉ። ምስ ህዝቢ ኮይኑ ኣይኮነን ክጥቀመላ፡፡ እታ ሕቶ ግን ምስ ህዝቢ እዩ ዘቕርባ። እቲ ኣከያይዳ እንታይ እዩ እንተይልካኒ ዋላ መዕነዊ ኣጀንዳ ይኹን ናይ ህዝቢ ገይርካ ናይ ምቕራብ ሓደገኛ ዝንባለታት ኣሎ እዩ። ስለዚ ኣብ ክልል ኢትዮጵያ ሶማሌ እውን ብወሳኒ መልከዑ ጎንፅታት እዚአን እየን። ኣብ ኦሮሚያውን ከምኡ። ይኹን እምበር ሕመቕና እናተጋደደ ኣብዝኸደሉ ኩነታት ከምዚአን ዝበላ ፀገማት ቀልጢፍካ ፈቲሽካ ናብ ንቡር ሕውነትን ምሕዝነትን ክንዲምምፃእ ነዚአን እናጓሃሃርካን እናምበድበድካን ካሊእ ፖለቲካዊ መኽሰብ ናይ ምርካብ ድሌትን ዝንባለታትን ሰፊሕ እዩ።

ስለዚ ካብ ቁፅፅር ዝወፀሉ ኩነታት ኣሎ። ብብርኪ ፌዴራል እቲ ሽግር ግዘ ወሲድካ ኣብ ምፍታሕ እውን ናይ ባዕሉ ድኽመት ኣሎ። ንነገሩ ኮ መጀመሪያ ክልተ ዝፋለጡ ሰባት እዮም ዝበኣሱ። ሓደ ናይቲ ሓደ ጥቕሚ እንታይ ምዃኑ ዝፈልጥ ዝርዳእ እዩ ባእሲ ዝፈጥር። እቶም ናይተን ክልላት ወሰና ወሰን ኣመሓደርቲ እውን ከምኡ እዮም። ንሶም ዝፈጠሩዎ ባእሲ ዝባላዕ ድማ ነንባዕሉ ዘይፋለጥ ህዝቢ እዩ። ምስኪን ህዝቢ! ኣብ ኢትዮጵያ ሶማሌን ኦሮሚያን ዝረአ ዘሎ ኩነታት እዚ እዩ። ኣብ ኦሮሚያን ኣብ ህዝብታት ደቡብን እውን ሰፊሕ ምፍንቓል ህዝብታት ኣሎ። ምናልባሽ ገለ ገለ ሰባት ከምዝብልዎ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኣብ ሓፂር እዋን ክንድዚ ዝኣክል ህዝቢ ዝፈናቐለሉ ቅልቅላው ተራእዩ ኣይፈልጥን። ዛጊድ ብዘሎ መርዳእታ 2 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዝቑፀሩ ዜጋታት መረበቶም ገዲፎም ተበቲኖም ኣለው። እዚ ፀገም እኮ ሕዚ ኣይጀመረን። ናይ ኦሮሚያን ኢትዮጵያ ሶማሌን ልዕሊ ሓደ ዓመት እዩ ገይሩ። ግን ብብርኪ ፌዴራል ይኹን ብክልል ብርኪ ናይ መወዳእታ ፖለቲካዊ ሕመቕና መግለፂ ተገይሩ እዩ ክውሰድ ዝግባእ። ስለዚ እቲ ሓላፍነት ዘይሩ ዘይሩ ካብ ርእሲ ፖለቲከኛታት ኣይወርድን።

ሕቶ :- ካብ ወፃኢ ሃገራት ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ዘለዉ ዝተፈላለየ መርገፂ ዝሓዙ ውድባትን ውልቀ ፖለቲከኛታትን ሕገመንግስታዊ መገዲ ዝተኸተለ ድዩኣብ ቀፃሊ ፖለቲካዊ ኩነታትከ እንታይ ለውጥታት ከምፅእ ይኽእል?

ኣይተ ጌታቸው:- ሕዚ ሕገ መንግስታዊ ድዩ ኣይኮነን ዝብል እንተሪኢናዮ ሕገ መንግስቲ ሃገርና “ዝተፈላለየ እምነት ዘለዎም ሰባት ናብ ዓዶም ኣይእተዉን” ኣይብልን። ግን ሕገ መንግስቲ መሰረት ጌሮም ዝወፅኡ ሕግታት ኣለው። ንኣብነት ኣብ ተግባራት ራዕዲ ዝተዋፈሩ ዝበሃሉ ውድባት ብቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ “ፈጠርቲ ራዕዲ!” ተባሂሎም ዝተመዝገቡ ኣለው። ኣባላት ዝምልከት ከይኮነስ ውድባት ክመፅኡ ዝኽእልሉ ናይ ባዕሉ መንገዲ ኣለዎ። ሕዚ ግና ፈለማ ክኣትዉ ተፀዊዖም ደሓር ሕጊ ዝወፀሉ ኩነታት እዩ ዘሎ። እዚ ኣይግቡእን። እዚኦም ዓዲ ምስኣተው ደሓር ዓዲ ምእታዎም ትኽክል ምዃኑ ከርኢ ብዘኽእል መንገዲ ዝወፅኡ ሕግታት ኣለው። እዚኦም ብወከልቲ ህዝቢ ሃገርና እዮም ወፂኦም፡፡ እቲ ኣካይዳ ግን ምስተወደአ ሰባት ናብ ዓዶም ምስኣተዉ ሕጋዊ መስርዕ ተማሊኡ ንምባል ዝወፀ ነገር እዩ ፡፡ ሕዚ እቲ ኣካይዳ ከምኡ ዶ ክኾን ነይርዎ ? ዝብል ሕቶ ምልዓል ይከኣል እዩ። እቲ ኣከያይዳ መስርዕ ሕጊ’ውን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ፡፡

ሓደ ነገር ምስተወደአ ደሓር ናይ ሕጊ ማዕቐፍ ናብ ምድላው ትኸደሉ ኩነታት ክህሉ ኣይነበሮን፡፡ ሕዚ ግን እቲ ቀንዲ ትኹረትና እዞም ሰባት መፂኦም ዓዲ ትጉዳእ ዶ ትጥቀም? ናብ ዝብል ኢና ክንወስዶ ዝግባእ፡፡ ልዕሊ ኹሉ እቲ ናይ መጀመሪያ ረብሓ ክኾን ዝግበኦ ዝኾነ ይኹን እምነት ዘለዎ ብሕጋውን ብሕጋውን መንገዲ ጥራሕ ክቃለስ ዝደሊ ሰብ ንህዝቢን ንዓድን ዝጠቅም እምበር ዝጎድእ ነገር የብሉን። እታ ቀንዲ ትኹረት ክግበረላ ዝግበኣ ግን ብሕጋዊ መገዲ ናይ ምቅላስ ድሌት እዩ። ገሊኦም ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝተጣየሹ ውድባት ኣለው፡፡ ካብ ደገ ኢንቨስትመንት ሒዝካ ክትመፅእ ትኽእል እምበር ፓርቲ ሒዝካ ክትመፅእ ኣይትኽልን። ዘገርም እኮ እዩ፡፡ ምኽንያቱ እቲ ፓርቲ ክጣየሽ ዝግበኦ ብናይ ሕጊ ኢትዮጵያ እዩ።

ስለዚ ኣብዚ መፂኦም ኣባላት መልሚሎም ቁምነገር ክሰርሑ ድልዋት እንተኾይኖም ብሕግን ብሕጋዊ መንገድን ክሰርሑ ድልዋት ክሳብ ዝኾኑ ዋላ ድልየቶም ክገብሩ ይኽእሉ እዮም። ከምቲ ዝፍለጥ “ስርዓት ፌዴራል ዝበሃል ኣየድልን ! ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ክጭፍለቑ ኣለዎም!” ዝብል እምነት ዘለዎም ከይተረፉ እዮም መፂኦም። ከጭፍልቑ ድዮም ኣይጭፍልቑን ካልእ ጉዳይ ኮይኑ ብሕግን ብሕጋዊ መገዲን ክንጭፍልቕ ኢና ኢሎም እንተተንቀሳቒሶም እውን ብዙሕ ኣየገድሸናን። ምኽንያቱም እቲ ክጭፍልቑዎ ዝደልይዎ እንተልዩ ሽዑ ክረአይ እዩ። ስለዚ ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ዝሓዙ ወገናት ምምፅኦም ኣይመስለንን እቲ ሓደጋ። ዝመፅእሉ መገዲ ግን ናይ ባዕሉ ፀገም ኣለዎ። ኩሉ ደላይ ለውጢ ኩሉ ተራጋሚ እዩ ። “ዝሓለፈ 27 ዓመት ዓዲ ጠፊኣ!” ዝብል እዩ። ነዚ ሓቚፍካ ነዚ ትኽክል ኢኻ ኢልካ ትቕበሎ እንተኾንካ ፀገም’ዩ። ዝሓለፈ ካብ ምኽሓድ ዝገደደ ሞት የለን። ዋላ ሕማቕ ዝሓለፈ እንተሃልዩካ ካብቲ ሕማቕ ሕሉፍ ዝተወሰነ ፅቡቐ ነገር ስለዘሎ ክትንእዶ ይግበኣካ።

ብተመሳሳሊ እቲ ሕመቕ እውን ናይ ባዕልኻ ጌርካ ክተመሓይሽ ኢኻ ክትንቀሳቐስ ዘለካ። ኣብ ሓደ ገዛ ኣብ ሓደ መደቀሲ ክነብሩ ኢልካ ዘይተኣምኖም ሰባት “ዝሓለፈ 27 ዓመት ሞትን ስደትን እዩ ነይሩ!” ዝብል ዝሓለፈ 27 ዓመት ብዝተገበረ ቃልሲ ስልጣን ዝደየበ ኣካል እውን ከይተረፈ ከም ኣካል ጉሓፍ ጌርካ ናይ ምውሳድ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ተኣኪቦም ናይ ብሓቂ ዘስደምም እዩ። እንታይ እዮም ክገብሩ ግን ብተግባር ክንሪኦ ኢና፡፡ እቲ ቀንዲ ነገር ግን ምምፀኦም ዘይምምፀኦም ኣይኮነን እቲ ሓደጋ፡፡ ምምፀኦም ብናተይ እምነት ፅቡቕ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ሓሳብ ዘይብሉ ኹሉ ኣብ ኣሜሪካ ኮይኑ እናተሰራሰረ ዘሎን ዘየሎን እንዳፈከረ ካብ ህዝቢ ዘደናግር መፂኡ ሓሳብ ዘይብሉ ምዃኑ ህዝቢ ክሪኦ ምኽኣሉ እውን ፅቡቕ እዩ። ዝመፀሉ አገባብ ድማ ሓላፍነት ክወሰድ ክኽእል ኣለዎ፡፡ ኲናት ኣዊጁ ዝነበረ ሓይሊ ኲናት ከምዘየዋፅእ ተቐቢሉ ክመፅእ ክኽእል ኣለዎ፡፡ ሕገ መንግስቲ ከፍርስ ዝደሊ ሓይሊ ወይ እውን ተደሊዩ ክልወጠሉ ዝኽእል ናይ ባዕሉ መንገዲ ተቐቢሉ ብሕጋዊ መንገዲ ክቃለስ ድልው ምዃኑ ክረአ ክኽእል ኣለዎ።

ካብዚ ወፃኢ ንኹሉ ሓደ ጌርካ ደሚርካ ነንባዕሉ ዝጣፋእ እምነት ዘለዎም ከይተረፉ “ኩሉኹም ትኽክል ኢኹም!” ዝብል ኣከያይዳ ግን ናይ ባዕሉ ሓደጋ ክህልዎ እዩ፡፡ እቲ ቀንዲ ሓደጋ ግን ንህዝቢ ከደናግሩ ዝኽእልሉ ዕድል እንተልዩ ጥራሕ እዩ፡፡ ግን ህዝቢ ከደናግሩ ይኽእሉ እዮም ዝብል እምነት የብለይን፡፡ ስለዚ በቢግዚኡ ዕግርግር ክህሉ እዩ፡፡ ኩሉ ተራጋሚ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ “ተበዲልና!” በሃሊ እዩ። እዋእ ሕዚ ዘለና አመራርሓውን እውን እኮ ኢና መርገም ነውርድ ዘለና። “ዝሓለፈ ገለ” እናበልና። እዚ ክፍተሽ ኣለዎ። ምኽንያቱ “ባዓል ዋንኡ ዘቃለሎስ በዓል ዕዳ ኣይቕበሎን” ከምዝበሃል ማለት እዩ። ሰብ ዋና ናብዚ ብርኪ እዚ ዘብፀሐ፣ ተስፋ ዝፈጠረ፣ ንህዝብታት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓሸ ብርኪ ኣብ ልምዓት ኣብ ሰናይ ምምሕዳር ይኹን ኣብ ዲሞክራሲ ዝተወሰነ ርሕቐት ዘምፀአ ኣተሓሳስባን ንሱ ዘምፀኦ ውፅኢትን ከምዘየለ ዝቖፅር ናይ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ምትእኽኻብ ናይ ባዕሉ ፀገም ክህልዎ እዩ። እቲ ሓደጋ ግን ናይተን ውድባት ምምፃእ ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ ዝመፅሉን ዝተኣንገድሉ ኣገባብ እዩ ከገድስ ዝኽእል። ስለዚ ብሕግን ሕጋውነትን ክሰርሑ ድልዋት ክሳብ ዝኾኑ እቲ ሽግር ዘይፍትሐሉ ምኽንያት ኣይህሉን፡፡

ፍልፍል፦ ጋዜጣ ወይን

Comments are closed.