ሕገ-መንግስትን ፌዴራላዊ ስርዓትን ንዘፍርሱ ሓይልታት ከምዝቃለሶም መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ

310

ኣብዚ እዋን ሕገ-መንግስቲን ፌዴራላዊ ስርዓትን ሃገርና ኣብ ምፍራስ ሓደጋ ጥሒሉ ከምዘሎን ነዚ ድማ ህወሓት ዝመርሖ መንግስት ትግራይ ብትሪ ብምኹናን ከምዝቃለስዎን ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣፍሊጦም።

ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብዚ ቐረባ እዋን ምስ ጋዜጠኛታት ኣብዝገበርዎ ቃለ ምሕትት ፤ እቲ መሰረት ምዕባለና ዝኾነ ሰላም ብዝገደደ ተዘሪጉ ሕገ-መንግስቲን ፌዴራላዊ ስርዓትን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ብምጥሓሉ ክልላት ሃገርና ምብትታን ጀሚሮም ከምዘለው ሓቢሮም። ኣብዚ እዋን ትግራዋይ ጥራሕ እትይኮነስ ኢትዮጵያዊ ሱማለታይ፣ ኣምሓራይ ፣ ኦሮሞታይ፣ ተወላዲ ደቡብን ካልእን ብመንነቱን ዘርኡን ተፈልዩ ብዘስካሕክሕ መልክዑ ይቕተል፣ ይውቃዕ፣ ንዘበናት ዘፍረየም ንብረቱ ይዝረፍ፣ይቃፀልን ጥራሕ ኢዱ ክስደድን ይግበርን ከምዘሎ ጠቒሶም ፤ እዚ ድማ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ግፍዒ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

“‘ህወሓት ናይ ለውጢ ሓይሊ እንተይኮነስ ብግልባጡ ናይቲ ለውጢ ዓንቃፋይ እዩ!’ ይበሃል ኣሎ እሞ ታይ እዮ ምላሾም?” ተባሂሎም ዝተሓተቱ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ፤ “ ኣብዚ ዘለናሉ ኩነታት ኮይንካ እንትረአ እቲ ቀንዲ መለክዒ ሕገ -መንግስቲ ምፍራስ እንተኾይኑ እቲ ዕላማ ኣብዚኣ ህወሓት የለን ፤ፈፂሙ ክህሉ እውን ኣይኽእልን” ክብሉ ኣፍሊጠም።

“ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ምኽባር ዓንቃፍነት ክበሃል እውን ኣይኽእልን። ” ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን ፤ኣብ ኣደባባይ ህዝቢ ምፅራፍን ሰንደቕ ዕላማ ቀዲድካ ምድርባይን ዝግበር ዘሎ እኩይ ተግባር ህወሓት ምዕንቃፍ ጥራይ ከይኮነስ ገና ብትሪ ዝቃለሰሉ ከምዝኾነ ኣረጋጊፀም ። እኳዳኣስ ህወሓት ዓንቃፊ እንተይኮነስ ነቲ መበገሲ ኩሉ ዝኾነ ሕገ-መንግስቲ ከይኮነስ፤ ከምቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝፈልጦ ደጀን ፌዴራላዊ ስርዓቱ ካብ ምዃን ሓሊፉ ንዝተቓለሰሉ ዕላማ ኮይነ ኢሎም ንዘፍርሱ ሓይልታት ምስ ኣሓት ውድባት ኢህወዴግን ህዝቢ ኢትዮጵያን ኮይኑ እንዳሓለወ ዝመፀ ተቓላሳይ ውድብ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ከም አገላልፃ ዶክተር ደብረፅዮን ፤ዝሓለፈ 27 ዓመት ኣብ ፀልማት ኢና ነይርና እንዳበልካ እንተኾይኑ እቲ ለውጢ በዚ አተሓሳስባ ዝመፅእ ለውጢ እንተይኮነስ ናብ ዝኸፍአ ገደል ዘእቱ ዕንወትን እዩ። “ዝሕሸ ሃገራዊ ለውጢ ዝመፅእ እቲ ዘሎ ጭቡጥ ለውጢ ዓቂብካ እዩ ክብሉ ዝገለፁ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ፤ጥዑይ ለውጢ ዝመፅእ እቲ ቅድሚ ሕዚ ብተሳትፎ ህዝብታት ኢትዮጵያ ዝተረጋገፀ ናይ ሰላም፣ዲሞክራሲን ልምዓትን ለውጢ ደማሲስካ ኣይኮነን” ክብሉ ኣረዲኦም። ካብ ኣጀማምርኡ እውን እቲ ኣተሓሳስባ ነቲ ዘሎ ልምዓት ደማሲሱ ይኸድ ስለዘሎ ክእረም ከምዝግበኦ ኣገንዚቦም። ከምዚ ዝበለ አተሓሳስባ ጥዑይ ፖለቲካ ስለዘይኮነ ናብ ዘይኮነ ፀገም ዘእቱ ምዃኑ ካብ ቀደሙ ከምዘፍልጥ ድማ ሓቢሮም። “ለውጢ ማለት እቲ ዘለካ ዓቂብካ ሓዱሽ ለውጢ ክተምፅእ ምስራሕ እምበር ዘለካ ደማሲስካ “ናይ ለውጢ ሓይሊ እየ” ክትብል ኣይካኣልን ፤እቲ ዘረባ ኣብ ሓቂ ኣብ ባይታ ክረግፅ ኣለዎ” ክብሉ ኣብሪሆም።

ስለዚ እቲ ተሰርሐ መሰረተ ልምዓት፣ ዲሞክራሲን ካልኦት ጭቡጥ ተግባራትን ተቐቢልካ ምኻድ ከምዝግባእ ዝሓበሩ ዶክተር ደብረፅዮን ፤ እቲ ቅኑዕ ኣካያይዳ ዝበሃል ዝጎደለ ፈሊኻ፣ ዝእረም ኣሪምካ ንቕድሚት ዝወስድ እውን ምውሳኽ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም። ስለዝኾነ “እቲ ኣፈላላይ መን ሓቂ ዘውፅእን መን ኣብ ሓቂ ረጊፁ ዘሎ ዝብል እዩ” ዝበሉ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ፤” ካቲ ሓቂ ነጒድካ ምዃድ ዝግበር ዘሎ ሃይ ሃይታን ዋዕዋዕን ንፈልጦ ኢና ፤ ነዚ ንምምካት ድማ ህወሓት ከም መሪሕ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ቦትኡ እዩ ዘሎ! ” ክብሉ ኣረጋጊፆም። ኣብዚ እዋን እቲ መድረኽ እዚአን ፀገምካ ኣማሓይሽ እዚአን ጎደሎታትካ ኣስተኻኽል ስለዝብል ከም ህወሓት እተን ጎደሎታቱ ኣማሓይሹ ንቕድሚት ይኸይድ ከምዘሎ ድማ ሓቢሮም።

ከምአገላፃ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር፤ በታ ዝተጀመረት ናይ ምህዳስ ለውጢ መንገዲ ስለዘይተሰርሐት ብኻሊእ መንገዲ አደናጊርካን አዋቒዕኻ ክተብቅዕ “ህወሓት ለውጢ ዘዕንቅፍ እዩ! ንሕና ድማ ናይ ለውጢ ሃዋሪያታት ኢና! ” ዝብል ዘረባ ዘደንፁ ውፁእ ፖለቲካዊ ምጭብርባር እዩ።

“እቶም ከምዚ ዝበሉ ዘለው አመራርሓ ኢህወዴግ ንባዕሎም ዘይኣስተኻኸሉ ምዃኖም እኮ ተገማጊምና ኢና ” ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን ፤እቲ ሓቂ ኩሉ ክሪኦ ኣብ ዝኽእል ተፃሒፉ፣ ተሰኒዱን ብድምፂ እውን ከይተረፈ ተቐሪፁ ተቐሚጡ ከምዘሎ ሓቢሮም። ኣብቲ ዝሓለፈ ገምጋማት ኣሓት ውድባት ኢህወዴግ እውን “ህወሓት ንለውጢ ከበግስ ዘኽእል ንባዕሉ ፈቲሹ ገምጊሙ እዩ፤” ኢሎም መስኪሮምሉ ዝሓለፉን ንባዕሎም እውን ከም ህወሓት ክግምግሙ ከምዘለዎም ወሲኖም ዝኸድሉን መድረኽ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

“ሕዚ ግን እቲ ንባዕሉ ቀሊዑ ፈቲሹ ለውጢ ከምፅእ ዝጀመረ ህወሓት ናይ ለውጢ ዓንቃፊ ዝበሃለሉ እዋን በፂሕና ኣለና” ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን፤ “እቲ ሓቂ ብግልባጡ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ እቲ ናብ ለውጢ ዘይኣተወ ሓይሊ ብዘረባ ብምድንጋር ናብ ዕግርግር ዘእተወና ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ” ክብሉ ኣስሚሮሙሉ።

እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ፤ ናይቲ ኣብ መላእ ሃገር ዝተፈጠረ ዕግርግር ምኽንያት ብልሽት ፖለቲካ ዝወለዶ ከምዝኾነን ፤እዚ እቲ ንባዕሉ ዘይፈተሸ ሓይሊ ተሸፋፊኑ ከምልጥ ዝደሊ ከምዝኾነ እውን ኣቃሊዖም። መፍትሒኡ እውን እቲ ዝተበላሸወ ፖለቲካ ይኹን ፀጥታዊ ኩነታት ሃገር ብሓባር ገምጊምካን ሕመቕካ ኣረጊፍካን ተኸባቢርካ ብማዕረነት ምንባር ከምዝኾነ አዘኻኺሮም።

ኣብ ቀረባ እዋን ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ህዝቢ ትግራይ ንኹሉ ብዘደንፀወ ስነ-ስርዓት “ሕገ-መንግስቲ ይከበር! ዘርኢ ተኮር መጥቃዕቲ ጠጠው ይበል!” ብዝብሉ ጭርሖታት ተሰንዩ ዘካየዶ ሰላማዊ ሰልፊ ፌደራላዊ ስርዓቱ ከይፈርስ ሓድነቱ ብዝበለፀ ኣጠናኺሩ ከም ሓደ ሰብ ደው ምባሉ ንሕገ መንግስቱ ዘለዎ ተኣማንነትን ፅንዓትን ከምዘርኢ ገሊፆም። ስለዚ ህወሓትን መንግስቲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣብ ጎኒ እቶም መፍረስቲ ሃገር ደው ክብሉን ክሕወሱን ከም ዘይኽእሉ ዶክተር ደብረፅዮን አረጋጊፀም። ፤ንቕድሚት እውን በቲ ዘሎ ዓቕሞም ተጠቒሞም ምስ ዲሞክራሲያውያን ሓይልታት ብምዃን ነቲ ነተ ኣብ ህገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣጋጠሚ ዘሎ ናይ ምፍራስ ሓደጋ ንምክልኻል ብቑርፀኝነት ከምስቃለሱዎም ኣገንዚቦም።

ኣብ ቀረባ እዋን ብመራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተጀመረ ሰላማዊ ርክብ ከም ዝድግፍዎ ዝሓበሩ ዶክተር ደብረፅዮን፤ ዘላቒ ሰላም ክረጋገፅ ዝኽእል ድማ ክልቲኦም ህዝብታት ክመያየጡ እንተለው ምዃኖም ብምእማን መንግስቲ ትግራይ እውን ብወገኑ ብዕቱብ ይሰርሐሉ ስለዘሎ ዛጊድ ኣብ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ወተሃደር ምስ ወተሃደር ከይተረፈ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ምርኻብ ጀሚሩ ከምዘሎን ኣፍሊጠም።

Comments are closed.