ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ከካይዱ ዝፀንሑ ተቖፃፀርቲ ትራፊክ ነፈርቲ ናብ ስራሖም ተመሊሶም

851

ንቡዙሓት መዓልታት ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ከካይዱ ዝፀንሑ ተቖፃፀርቲ ትራፊክ ነፈርቲ በዓል ስልጣን ስቪል ኣቬሺን ኢትዮጵያ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ስራሕ ኣቲዮም።

ዳይሬክተር ጀነራል እቲ በዓል ስልጣን ኮሎኔል ወሰንየለህ ሁነኛው ንፋና ብሮድ ካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝተዛረብዎ፥ እቶም ሰራሕተኛታት ናብ ስራሕ ተመሊሶም ኣለዉ።

ብመሰረት መንግስቲ ዝሃቦ ኣንፈት መሃያ እቶም ሰራሕተኛታት ንምትዕርራይ ዘኽእል መፅናዕቲ ከምዝካየድ እውን ሓቢሮም።

ክታም ከልኦት ሰራሕተኛታት ኣመሳሲሎም ብምፍራምን ስራሕ ደው ንከብሉ ብምልዕዓልን ወንጀል ዝተጠርጠሩ ተቖፃፀርቲ ትራፊክ ነፈርቲ እቲ ኤጀንሲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ከምዝወዓሉ ይዝከር።

ብመሰረት እዚ እቶም ተጠርጠርቲ ትማሊ ናብ ቀዳማይ ብርኪ ላዕለዋይ ቤት ቤት ፍርዲ ፌዴራል “1ኛ ወንጀል ችሎት” ዝቐረቡ እንትኾኑ፥ እቲ ቤት ፍርዲ ተወሳኺ ናይ 8 መዓልታት ጊዘ ቆፀሮ ፈቒዱ ኢዩ።

ብታሪክ አዱኛ

Comments are closed.