ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ወደብ ዓሰምን ምፅዋዕን ዑደት ኣካይዶም

161

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ቻይና ኣብ ዝተሳለጠ ፎረም ቻይና ኣፍሪካ ዝነበሮም ፃንሒት ብምዝዛም ዓሰብ፣ ኤርትራ ሎሚ ንጎሆ ኣትዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ዓሰብ እንትበፅሑ ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኣይተ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ኤርትራን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራን ምዉቕ ኣቀባብላ ዝገበርሎም ገይረሙሎም ኢዮም።

ድሕሪ እቲ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁን ካልኦት ሰብ መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያን ወደብ ዓሰብ ተዓዚቦም።

ብተወሳኺ ካብ ዓሰብ ክሳብ ዶብ ኢትዮጵያ(ቡሬ) ንዘሎ 71 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ፅርግያ ዑደት ገይሮም ኢዮም።

ስለዝኾነ እቲ መገዲ ኣስፋልት ኣገልግሎት ክህብ ዘኽእል ምዃኑ ዝገምገሙ መንግስታት ክልቲአን ሃገራት፥ እቲ ሐዚ ዘሎ ሓደ መስመር ናብ ኣርባዕተ መስመራት ኣስፋልት ንምስፋሕ ትልሚ ከምዝሓዙ እውን ተገሊፁ።

ካብዚ ሓሊፉ ወደብ ዓሰብ ዘመናዊ ንምግባር ተልሚ ከምዝተትሓዘ ተሓቢሩ።

Comments are closed.