ኣብ ክልል ኦሮሚያ ልዕልነት ሕጊ ንምኽባር ብመሰረት ዝተወሰደ ስጉምቲ ልዕሊ 170 ተጠርጠርቲ ተታሒዞም

169

ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኦሮሚያ ልዕልነት ሕጊ ንምኽባር ብመሰረት ዝተወሰደ ስጉምቲ ክሳብ ሐዚ 170 ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም።

ሓላፊ ዘፈር ኣወዳድባ ፖለቲካ ገፀር ውድብ ኦህዴድ ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ፥ እቶም ውልቀ ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ዘይሕጋዊ ተግባራት ተወፊሮም እንትንቀሳቐሱ ከምዝተትሓዙ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ከተማ ሱሉልታ ብስም ቄሮ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኣርባዕተ ሰባት፥ መንበሪ ገዛ ውልቀ ሰባት ኣብ ምፍራስን ቆርቆሮ ኣብ ምንቃልን እናሃለዉ ኢድ ብኢድ ተታሒዞም ኣለዉ።

ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተፈፀመ ተግባር ወንጀል ተሳቲፎም ኢዮም ብዝብል ዝተጠርጠሩ 7 ሰባት እውን ተታሒዞም።

ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ብራዮ “ኣቦ መንበር ቄሮ ኣነ ኢየ” ብምባል፥ ታሴራ ብምድላውን ብምሻጥን፣ ስም ኣዛዚ ፖሊስ ብምፅሓፍ ዝተፈላለዩ ትካላት ስፖንሰር ንክገብርዎ ብምግዳድ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ውልቀ ሰብ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ኣይተ ኣዲሱ ገሊፆም።

ኣብ ከተማ ለገጣፎ ለገዳዲ 62 መናእሰይ ብምውዳብን ስእሎም ኣብ ወረቐት ብምልጣፍን “ እዚ ናይ ቄሮ ውዳበ ስለዝኾነ ካብ ጣብያ ክሳብ ክልል ኣፍልጦ ክረክብ ኣለዎ” እናበሉ ነቶም መናእሰይ ዘለዓዕሉ ዝነበሩ ክልተ ሰባት ተታሒዞም።

ኣብ ከተማ ጅማ፥ ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባር ዝተዋፈሩ፣ ዘይሕጋዊ ህንፀት ዝሃነፁን ዘህነፁን ከምኡ እውን ስራሕ ከዐንቅፉ ዝፀንሑ 42 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ኣይተ ኣዲሱ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ክልተ ሽጉጥን ልዕሊ 180 ዘይሕጋዊ ጥይት(ዓረር) ከምዝተትሓዘ ገሊፆም።

ኣብ ከተማ ኣዳማ ኣብ ቀረባ እዋን ኣጋጢሙ ምስ ዝነበረ ጎንፂ ብዝተተሓሓዘ ዝተጠርጠሩ 8 ሰባት ድማ ተታሒዞም ኣለዉ።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ከተማ ሞጆ፥ ፀልማት ጉልባብ ብምግባር ፋብሪካ ንምውራር ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ 2 ሰባት ከመዝተትሓዙ ኣይተ ኣዲሱ ኣፍሊጦም።

ኣብ ከተማ ሰበታ ድማ ዘይሕጋዊ ህንፀት የካይዱ ዝነበሩ፣ ኣብ ቤት ብልዒ ብምእታው ዝተመገብዎ ሒሳብ “ኣይንኸፍልን” ዝብሉ ዝነበሩን ተወዲቦም ብምንቅስቓስ ኣካላት ሕጊ ዝወቕዑን 14 ውልቀ ሰባት ተታሒዞም ኣለዉ።

ኣብ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ወረዳ ሉሜ ብስም ቄሮ ተወዲቦም ኣብ ወረራ መሬት ዝተሳተፉ 32 ተጠርጠርቲ ዝተትሓዙ እንትኾኑ፥ ካብ’ቶም ዝተትሓዙ እቶም 2 ኣብ ከተማ ኣዳማ መሃንዲሳት ዝነበሩ ምዃኖም ኣይተ ኣዲሱ ገሊፆም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ወረዳ ፈንታሌ ጎንፂ ብሄር ንክውላዕ ዘለዓዕሉ ዝነበሩን ኣብ ቤት ዕዮ መንግስቲ ብምኻድ ሓለፍቲ ስራሕ ዝወቕዑን 4 ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም ኣለዉ።

ኣብ ወረዳ ቦረና፥ “መገዲ ብምዕፃው ዓመፅ ንምውላዕ ፈተነ ገይሮም ኢዮም” ዝተብሃሉ 55 ተጠርጠርቲ እውን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ብምውዓል ጉዳዮም ይፃረ ከምዘሎ ኣይተ ኣዲሱ ኣብሪሆም።

ብሙለታ መንገሻ

Comments are closed.