ሜዲትራንያን፡ በሊዑ ዘይዓግብ ባሕሪ

554

ካብ ኣፍሪካውያን ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ኣውሮፓ ዝሰግሩ ስደተኛታት ዝሳገሩሉ ባሕሪ እዩ፤ ሜዲትራንያን ባሕሪ። እዚ ባሕሪ እዚ ንክልቲኤን ኣህጉራት ማለት ንኣፍሪካን ኣውሮፓን ዝፈሊ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ባሕርታት ዓለምና እንትኸውን ኣብ ጅኦግራፊ ካብ ዝፍለጠሉ ተወሳኺ ግን ኣለዎ። እዚ ባሕሪ እዚ እዚ ኣብ ዝባኑ ከም ሃመማ ሰመም እናበላ ዝውዕላ ጀላቡ ቀንዲ መግለፂኡ እየን። ኣብዘን ጀላቡ እዚአን ተሰግሲጉን ተደራሪቡን ገገሊኡ እውን ተንጠልጢሉን ገለን ዝርአ ናይ ስደተኛ በዝሒ ካልእ መግለፂ እቲ ባሕሪ እዩ።
ሜድትራንያን ባሕሪ ሓደ ካብቶም ኣውያትን ብኽያተን፣ ዜና ሞትን ጥሕለትን ዘይፍለዮም ቦታታት እዛ ዓለም እውን እዩ። ሜድትራንያን በሊዑ ዘይዓግብ ባሕሪ ንምዃኑ እዚ ዛንታ እዚ እንሆ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ክልተ ህይወት ንምድሓን ኣብ ዝተሰናድኣ ጃላቡ ጣልያን ኽበጽሑ ዝፍትኑ ዝነበሩ እንተወሓዱ 21 ስደተኛታት ደሃዮም ጠፊኡ ክልተ ድማ ሞይቶም ምርካቦም ብብዙሓት መራኸቢ ሓፋሽ ዓለም ተዘሪቡ ነይሩ። እዚ ከመይ ተፈፂሙ?
ኤስ ኦ ኤስ መዲተራንየ ዝተባህለ ኣብ ምድሓን ህይወት ዝነጥፍ ትካል፡ እቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት መብዛሕትኦም ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ከምኡ ድማ ካብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኰይኖም፡ ኣብ መንጎኦም ሓንቲ ነብሰጾር እትርከበን 3 ደቂ ኣነስትዮን 14 ነይሮምዎም።
እቶም ቀዲሞም ኣብ ጣልያናዊት ወደብ ፖሳሎ ዝበጽሑ ስደተኛታት፡ ፈለማ ሓንቲ ኣብ ጥቓ ገማግም ሰሜን ኣፍሪካ ዝነብረት ስደተኛታት ዝፀዓነት መርከብ ኣድሒና፡ ናብታ ብ ኤስ ኦ ኤስ መዲተራንየን ሓካይም ብዘይዶብን እትካየድ ሰብኣዊት መርከብ ኣረኪባቶም።
ብመሰረት ኤስ ኦ ኤስ መዲተራንየ ትጥሕል ካብ ዝነበረት ካብ ዕንፀይቲ ዝተሰርሐት ጃልባ 30 ዝደሓኑ ክዀኑ እንተለዉ፤ ብመሰረት ምስክርነታቶም ሓንቲ ነብሰጾር ጓል አነስተይቲ እትርከቦም እንተወሓዱ 21 ዝዀኑ ሰባት እዮም ኣብቲ ሓደጋ ሞይቶም።

“ኣብታ ብጣውላ ዝተሰርሐት ጃልባ 52 ኢና ኔርና። ለይቲ እቶም ሰባት ርዒዶም ናብዝን ናብትን ምስበሉ ግና እታ ጃልባ ክትጥሕል ጀሚራ፡ ሰባት ድማ ናብቲ ቃላይ ይወድቁ ኔሮም፡” ይብል ሓደ መንእሰይ ጋምብያዊ ስደተኛ ብኤስ ኦ ኤስ መዲተራንየ ምስተሓተተ።
“ኣብታ ጃልባ 5 ኣንስቲ ኔረን፡ ሓንቲ ነብሰጾር እትርከበን 4 ጥሒለን። ኣነ ሓወይ ስኢነ’የ፡” ይብል እቲ ጋምብያዊ።
ብመሰረት ኣቐባሊ ቃል ኣይ ኦ ኤም ጆዌል ሚልማን፡ ኣብታ ጃልባ 2 ምዉታት ህጻናት ስለዝተረኽቡ ቁጽሪ ምዉታት 23 ክኸውን ይኽእል እዩ።
ካልኦት 42 ስደተኛታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣድሒኖም ናብ ሊብያ ምእንቲ ኸይመልስዎም ናብ ባሕሪ ምስነጠሩ ዝደሓኑ እዮም። ኣብታ ኻልአይቲ ጉጅለ ዝነበሩ 90 ሰባት በቶም ሓለዋ ባሕሪ ናብ ሊብያ ኸምዝተወሰዱ ይገልጹ።

እታ መርከብ ውሃብቲ ሓገዝ ዘድሓነቶም ሓደ ኣቦ፡ ጓል 7 ዓመት ጓል ሓፍቶም ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ናብ ሊብያ ኣብ እትመልሳ ጃልባ እናፀዓንዋ እንተለዉ “ኣኮይ ኣይትግደፈኒ፡” ክትብል ከምዝሰምዓ ንሓካይም ነጊሮምዎም።
ከመይ ኢሉ ኸምዘጋጠመ ኣይንፈልጥን። እንተዀነ ግን ስድራቤታት ተፋላልዮም ኣለዉ፡ ንሕና ድማ ከመይ ኢልና ከምነራኽቦም ክንርኢ ንፍትን ኣለና፡” ይብል ኣቐባሊ ቃል ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ኣብ ኢጣልያ ፍላቭዮ ዲ ጃኮሞ
ብመሰረት ሊብያ ኦብዘርቨር፡ ቤትጽሕፈት ጸጥታ ዝዋራ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ሊብያን ቱኒዝያን ካብ ዝዋራ 40 ኪሎሜተር ዝኸውን ርሒቓ ኣብ ጥቓ እትርከብ ደሴት ፈርዋ 97 ሰባት ከምዘድሓኑ ገሊጾም። እቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ናብ ዝዋራ ተወሲዶም፡ ጸኒሖም ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ተሰጋጊሮም።
ኤስ ኦ ኤስ መዲተራንየ እታ ጃልባ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ምድሓን ህይወት እናተኻየደ እንተሎ ናብ ኣኳርዩስ ከምዝቐረበት ይገልጽ። ብልዑል ፍጥነት ክትቀርብ እንተላ ካብ ኣኳርዩስ ንዝተፈነወላ ጻውዒታት ራድዮ መልሲ ኣይሃበትሉን። ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ነቲ ህድማ ስዒቦም ኣብ ጭንቂ ንዝነበረት ጃላባ ተረኪቦሞ ኸምዘለዉ ኣፍሊጦም።
ኣተሓባባሪት ምድሓን ህይወት ኤስ ኦ ኤስ መዲተራንየ ኒኮላ ስታላ: “ሓደገኛን ዘይሕጋውን ባህሪ ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ፡ እዚ ኣብ ዓለም ቀንዲ ቐታሊ ዝቝጸር ዘሎ ባሕሪ ማዕረ ኽንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ዘጕልሕ እዩ፡” ትብል።

ኣብ ቀዳሞት 9 ሰሙናት 2018 እንተወሓዱ 421 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሞይቶም።
ሜዲትራንያን፤ በሊዑ ዘይፀግብ ባሕሪ!

Comments are closed.