ቁጠባ ካሜሮን ብ4ተ ሚኢታዊ ዕቤት ከመዝግብ’ዩ IMF

336

መቐለ ሓምለ 01/2010(ድወት)ቁጠባ ካሜሮን ኣብዚ ዓመት 4ሚኢታዊ ዕቤት ከምዘመዝግብ ትካል ገንዘብ ዓለም (IMF) ገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፈ 2017ዓ.ም.ፈ ካብ ዝተመዝገበን 3.2ሚኢታዊ ቁጠባዊ ዕቤት ኣብዚ ዓመት ዝሓሸ ዕቤት ብምምዝጋብ 4ሚኢታዊ ዕቤት ቁጠባ ክተመዝግብ’ያ ካሜሮን ዝበለ ትካል ገንዘብ ዓለም(IMF) እዚ ወሰኽ ድማ ብቐንዱ ኣብታ ሃገር ብዝተረኸበ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብ ማእኸላይ ኣፍሪካ ካብ ዘለዋ ሃገራት እታ ዝዓበየ ቁጠባ ዘለዋ ካሜሮን ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣስታት 180ሽሕ በርሚል ኣብ መዓልቲ ዘፍሪ ተፈጥሮ ጋዝ ከምዝረኸበትን ብምህርቲ ካካዎ ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ 4ይ ደረጃ ከምትስራዕን ፀብፃባት ይገልፁ።

ትካል ገንዘብ ዓለም ኣብ ዝቅፅሉ 3ተ ዓመታት ንካሜሮን ክህቦ ካብ ዘፅድቖ 680.7ሚልዮን ዶላር ሓገዝ እቲ 77.8ሚልዮን ኣብዚ ዓመት ከምዝህቦ ድማ ተመልኪቱ ኣሎ።

Comments are closed.