እዋናዊ መግለፂ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ

897

ሓድነት ትግራይን ተጋሩን ንምድኻም ኮነ ተባሂሉ ዝካየድ ዘሎ ኣብ መንነት ዘነፃፀረ መጥቃዕቲ ተቐባልነት ዘይብሉ ተግባር ስለዝኾነ በዘይውዓል ሕደር ጠጠው ክብልን ክእርነብን ይግባእ፡፡

ሕቶ መንነት ሕገ መንግስታዊ መልሲ ረኺቡ ዝሓደረ ዘየማትእ ሓቂ ኮይኑ እናሃለወ ሓደ ጊዜ ወልቃይት ካልእ ጊዜ ድማ ራያ እናበልካ መንነትን ሓድነትን ህዝቢ ትግራይ ንምድኻም ዓሊምካ ምስራሕ ብዝኾነ ይኹን መምዘኒ ተቐባልነት ዘይብሉን ብትሕዝትኡ እውን ፀረ ህዝብን እዩ፡፡ 
እቲ 30 ነሓሰ 2010 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንኽብሪ ነቲ ብመንነቱ ዘይዋገ ህዝቢ ራያ ብዝነክእ መልክዑ ሕቶ መንነት ኣለና ብዝብል ግልፂ ብዝኾነ ፖለቲካዊ ዕላማ ዝተመርሐ ጉጅላዊ ምንቅስቓስ እውን ኣካል ናይቲ ህዝቢ ትግራይ ንምድኻም ዝፍሓሱ ውድታት ስለዝኾነ ተቐባልነት የብሉን ጥራሕ ዘይኮነስ ሕገ መንግስታዊ ጥሕሰት እውን እዩ፡፡

ሕቶ መንነት እንተልዩ እውን ሕቶ ኣለኒ ዝብል ህዝቢ ባዕሉ ሕቶኡ የቕርብ እምበር ኣነ እየ ዝፈልጠልካ ብዝብል እዋኑ ዝሓለፎ ትዕቢት ናይ ባዕሎም ግልፂ ፖለቲካ ዕላማ ዘለዎም ኣካላት ኣብ ከተማታት ነቁጦም ዘልዕልዎ ሕቶ ከምዘይኮነ ሕገ መንግስቲ ፌዴራላዊት ዴሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ መሊስዎ ዝሓደረ ኣጀንዳ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ዘይምልከቶም ኣካላት ብዛዕባ ዘይፈልጡዎን ንክብሩ ኮነ ንሃለዋቱ እዚኣ እትብሃል ኣስተዋፅኦን ተገዳስነትን ዘይብሎም ኣካላት ብዛዕባ መንነት ህዝቢ ትግራይ ሕቶ ከልዕሉ ሞራላዊ ኮነ ሕጋዊ መሰረት የብሎምን፡፡

ህዝብን መንግስትን ብሄራዊ ክልል ትግራይ ነዚ እኩይ ተግባር ብፅንዓት እናኮነኑ ኣብዚ ተግባር ዝሳተፉ ኣካላት ድማ ካብ ተግባሮም ንክቑጠቡ ብጥብቂ የጠንቂቑ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ህዝብን መንግስት ብሄራዊ ክልላዊ መንግስት ትግራይን ድማ ብፅንዓት ከምዝቃለሱዎም ክነስምረሉ ንደሊ፡፡
ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
30 ነሓሰ 2010ዓ.ም
መቐለ

Comments are closed.