ህዝቢ ትግራይ-ልዑል ፖለቲካዊ ንቕሓት ዝወነነ ዘኹርዕ ህዝቢ!

ሃገርና ኢትዮጵያ ትፈርስ ኢላ! አረ ገል ገሊኤን ክልላትስ ክብተና ጀሚረን!” ዝብል ወረ ክትሰምዕ ከለኻ ኣዝዩ እዩ ዘሰንብደካ።

1,964

ቀዳማይ ክፋል
“ሃገርና ኢትዮጵያ ትፈርስ ኢላ! አረ ገል ገሊኤን ክልላትስ ክብተና ጀሚረን!” ዝብል ወረ ክትሰምዕ ከለኻ ኣዝዩ እዩ ዘሰንብደካ። እንታይ ከ ዘየሰንብድ ኣለዎ’ዚ? ከምዚ ዝበለ እንትትሰምዕ “ናይ እማን ድዩ? ”ትብል። ሎምዘበን እዝኒ ዘይትሰምፆ የለን፤ ዓይኒ እውን ዘይትሪኦ የለን። መን እንታይ በለ? ፣እንታይ ገበረ?፣ ንምንታይ ከምኡ ኾይኑ? ምኽንያቱ ኸ እንታይ እዩ ? ክትብል ኢኻ ትግደድ። በዚ ድማ ኩነታት ሃገርና ነፀናፅነሉ ፣ብዝሰማዕናዮም ነገራት እንድንፀወሉ ፣እንሓርቀሉ ፣እንቑጠዐሉ ወይ እውን እነስተማስለሉ አዝዩ ተዃሳሓይ እዋን ኢና ዘለና ። እቲ ወረ ገሊኡ ካብ ስሩዕ መራኸብቲ ሓፋሽ ወይ እውን ካብ ማሕበራዊ ሚድያ ይመፅእ። “እገለ ኮ ከምዚ በለ” እናተበሃለ ገለ ገሊኡ ምዕሩይ ዝተፃረየ ይኸውን ገሊኡ ድማ መን ከምዘምፀኦ ዘይፍለጥ ህቦብላ ንፋስ ኣባኹበራ ሓሶት ዝኾነ ወረ ብዙሕ ይስማዕን ይንበብን ኣሎ ። እንተ ንሕና ግን ከም ምስንዳእ ጋዜጣ ወይን ንፁፅይ ሓበሬታ ካብ በዓል ዋና ምቕራብ ዕማምና እዩ እሞ፤ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብዚ ቐረባ እዋን ምስ ጋዜጠኛታት ሃገርና ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ሒዝናልኩም ቀሪብና ኣለና። ብዛዕባ እቲ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ዘሎ ህልውና ሃገርና ከምኡውን እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቶም ህዝቢ ትግራይ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ተነቓኒቑ ዘካየዶ ንኹሉ ዘገረመ ሰላማዊ ሰልፊ ንምንታይ ከምተኻየደ?፣ እንታይ ውፅኢት ከ ኣምፂኡ? ዝብል ኣብሪሆም። ብዛዕባ አጠቓላሊ እዋናዊ ፅንኩር ፖለቲካዊ ፣ቁጠባውን ማሕበራውን ሃገርናን ክልልናን እውንገሊፆም ኣለው። ጭቡጥ ብምድሪ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝምልከት እውን ዶክተር ደብረፅዮን ዝሃብዎ መብርሂ ቀሪቡ ኣሎ። ሰናይ ንባብ።

ህዝቢ ትግራይ እዋናዊ ኩነታት ሃገሩ ኣዝዩ አጨኒቁዎን ኣነዲርዎን እዩ። ከምታ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብፍላይ ሰነ 15 /1980 ዓም ኣብ ሓውዜን ብግፍዒ ዝተጨፍጨፈላ እሞ ህዝቢ ከም ንህቢ ሆ! ኢሉ ዝተለዓለላ ከምኣ እያ ኾይና ለብዘበን። ምኽንያት መበገሲ ሰልፊ ምፍላጥ ድማ ኣገዳሲ እዩ። ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ህዝቢ ትግራይ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ተናቓኒቑ ንምንታይ ሰልፊ ኣካይዱ? ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅየን ገብረሚካኤል ምስ እዚ ኣተኣሳሲሮም ዝሃብዎ ምላሽ ዝስዕብ እዩ።
መበገሲ ንቲ -22 ሓምለ ኣብ መላእ ትግራይ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ምስ እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታት ዝዛመድ እዩ። ንኹሉ ዘተሓሳስቦ ስለዝኾነ። ብዛዕባ ሃገሩ ብዙሕ ዝዛረበሉ። እዛ ዓዲ ናበይ እያ ትኸድ ዘላ ኢሉ ዝጭነቐሉ። ከምተጋሩ ዘጋጠመና ነገር ኣሎ እንድዩ፤ ኣብ ቀፃሊኸ እንታይ ክገጥመና ይኽእል? ኢሉ ይጭነቕን ይሓስብን ኣሎ።
ብኻሊእ ገፅ ዳርጋ ብኹሉ ከባብታት ሃገርና ብዙሓት ህዝባዊ ሰልፍታት ተኻይዶም እዮም። ኩነታት ሃገር ዘተሓሳስብ እዩ ኮይኑ ዘሎ። ሰልፍታት ካብ ኣዲስ ኣበበ ጀሚሩ ጭርሑዑስ፣ ሰነደቕ ዕላምኡስ ሕውስውስ ዝበለ ብልሓቱ ዘይፍለጥ ሰልፍታት እናተኻየዱ እዮም ፀኒሖም። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ንበይኑ ዝተፈለየ “ደሴት” ኣይኮነን ስቕ ክብል ኣይኽእልን። ቅዋሙ ክገልፅ ግድን እዩ።ፖለቲካዊ ቅዋም ብዝተወሰኑ ፖለቲከኛታት ኣይኮነን ክግለፅ ዘለዎ። ካብ ቆልዓ ክሳብ ዓበይቲ ሽማግለታት፤ሃይማኖት እውን እተይፈለየ ኩሉ ተነቓኒቑ። ቅድሚኡ ኣብ ካልእ ከባታት ሃገርና ዝነበሩ ምልዓዓላት ሰልፍታት ክነቓነቕ ገይሩዎ እዩ። ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ዝተፈለየ ታሪኻዊ ሰልፊ እዩ ነይሩ። ንኹሉ ዘደንፀወ። ቅድሚኡ እቲ መንእሰይ ባዕሉ ተወዲቡ ንሰልፊ ተዳልዩ እዩ ነይሩ።” ስቕ ኣይንብልን ቅዋምና ክንገልፅ ኢና !” ብዝብል ማለት እዩ። ዝተፈላለዩ ኮሚቴታት እውን ኣጣይሹ ፣ትሸርት ሰሪሑ ፣ጭርሖታት ኣውፂኡ” ክንስለፍ ኢና !” እዩ ዝብል ነይሩ። ስለዚ እቲ ተበግሶ ካብ ታሕቲ እዩ ተፈሓሒሙ ፈንቂሉ ወፂኡ። ውድብ ወይ መንግስቲ ስለዘለዓዓሎ ኣይኮነን። ባዕሉ እዩ መንእሰይ ተበግሶ ዝወሰደ። ውድብ እውን ኣሎ እዩ። መንእሰይ ዝወሰዶ ሰልፊ ናይ ኩሉ ኮይኑ። ቤት ምኽሪ እውን ናይ ባዕሉ ቅዋም ወሲዱ “ህዝቢ ትግራይ ክስለፍ ኣለዎ ፤ቅዋሙ ክገልፅ ኣለዎ “ብዝብል ማለት እዩ። ቤት ምኽሪ ወሲኑ፤ውድብን መንግስትን እውን ምስኡ ተኣሳሲሩ ኩሉ ኣትይዎ ማለት እዩ።
እዚ ሰልፊ ትግራዋይ ሓድነቱ ብዝለዓለ ብርኪ ዝገለፀሉ እዩ ነይሩ። እቲ ዘልዓሎ ኣጀንዳ ሃገራዊ ስለዝነበረ። እቲ ቀንዲ ኣጀንዳ ድማ “ሕገ-መንግስቲ ክኽበር ኣለዎ!” ዝብል እዩ። እዚ ይጠሓስ ከምዘሎ ህዝብና ይፈልጥ ስለዘሎ። ሕገ መንግስቲ ይከበር ማለት ሃገራዊ ጉዳይ እዩ። ክትቅየር እንተኾይና እውን በቲ ናይ ሕገ-መንግስቲ ስርዓት እዩ ክቕየር ዘለዎ።
እቲ ካልእ “ዘርኢ ዝፈለየ ኩሉ ዓይነት መጥቃዕትታት ጠጠው ይበል!” ዝብል መልእኽቲ እዩ። ትግራዋይ ጥራሕ ኣይኮነን ተጠቒዑ። ኢትዮጵያ ሱማሊ ይጥቃዕ ኣሎ። ኦሮምኡስ ፤ደቡቡስ ፤ኣምሓራዩስ፤ ካሊኡስ፤ በቢኸባቢኡ ይጥቃዕ እዩ ዘሎ። ዘርኢን መንነቱን እናፈለኻ ዝግበር መጥቃዕቲ ደው ይበል ኢሉ እዩ ህዝቢ ትግራይ። እቲ መጥቃዕቲ ሕዚውን ኣሎ ፤ንቐፃሊ እውን ደው ዝብል ኣይኮነን። እቲ ቐንዲ ምኽንያት ኣብዛ ሃገር ናይ ፖለቲካ ምብልሻው ስለዘሎ እዩ ዘርኢ ፈሊኻ ጥቕዓታት ዝፍፀም ዘሎ። ፅባሕ ታይ ከምዝበፅሕ ኣይተፈልጦን ኢኻ። ፖለቲካ ክሳዕ ዘይተዓረየ። ስለዚ ሰልፊ ስለዝገበርካስ ደው ክብል እዩ፤ ዝብል ኣይነበረናን። እቲ መልእኽትና ግን በዝለዓለ ብርኪ ኣሕሊፍካ ሰብ ክመሃርሉ እዩ ዘካየድናዮ። ደው እንተዝብል ግን ንመርፅ። ዘርኢ ተኮር መጥቃዕቲ ዝቕበሎ ኣሎ፤ ዘይቕበል እውን ክህሉ እዩ ። ሕዚ ጥራይ ኮእ ኣይኮነን ኣብ እዋን ሰላም እውን መጥቃዕቲ ነይሩ እኮ እዩ። ሕዚ ዓዕርዩ ጎሊሁ ዝወፀ እንተዘይኮይኑ። ክንኪ ግን ይኽእል እዩ። ነዚ ድማ ክንሰርሕ ኢና። አጀንዳ ፀላእቲ ስለዝኾነ ።
ዋኒን ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራን እቲ ካልእ ኣጀንዳ እዩ። ከምዝፍለጥ ክልቲኦም መንግስታት ምስ ኤርትራ ምንቅስቓስ ሰላም ተጀሚሩ ኣሎ። ተመያይጥና ዘላቒ ሰላም ነምፅእ እዩ ዝብሃል ዘሎ። “ ንዘላቒ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ንድግፍ !” ብዝብል ኢና ተንቀሳቒስና ።በዚ ድማ ደገፍቱ ምዃንና ብዝበለፀ ጎሊሁ ክረአ ኢና ገይርናዮ። ኣብዚ እውን “እዚ ሰላም እዚስ ይደልይዎ ድዮም ? ውድብን መንግስትን ከ ይደልይዎ ድዮም? “ ዝብል ኣብ ህዝቢ ትግራይ ፣ኣብ ሃገርና እንኮላይ ኣብ ኤርትራ ሕቶታት ነይሩ እዩ። በቲ ዘካየድናዮ ሰላማዊ ሰልፊ ድማ ካብ ኩሉ ገፅ ፅቡቕ ምላሽ ይመፅእ ኣሎ።
በቲ ካልእ ግፍዓዊ ሞት ኢንጂነር ስመኘው በቀለ ዝምልከት ኣብቲ ሰልፊ ዝተንፀባረቐ ሓሳብ እዩ። እዚ ኣጀንዳ ሃንደበት ዝተፈጠረ እምበር ነዚ ኢልና ዝሰራዕናዮ ኣጀንዳ ኣይነበረን። ሰልፊ ቅድሚ ምክያዱ ክልተ መዓልቲ አቐዲሙ ዝተፈፀመ ስለዝነበረ። ንሕናውን ብሄራዊ ጅግና ገይርና ኢና ንወስዶ። ክቡር መስዋእቱ እውን ክንዝክሮ ነይሩና። እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ እውን ክፍተሽ ክምርመር ኣለዎ። ምኽንያቱ ብጥይት ዝተቐትለ ስለዝኾነ ክፃረ ኣለዎ ማለት እዩ። ስለዚ ክንዝክሮ ግቡእ እዩ።
ብሓፈሻ እቲ መልእኽቲ ኣዝዩ ረዚን እዩ ነይሩ። ሕገ መንግስትና ዘይትንክፎ የለን። ንትግራይ ጥራሕ ኣይኮነን ዋላ ንሃገር። እዚኦም ኣብ ትግራይ እኳ እንተገለፅናዮም ብጣዕሚ ዓበይቲ ሃገራዊ አጀንዳታት እዮም ነይሮም። በዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ንፁር መልእኽቱ ኣሕሊፉ እዩ። ስለዚ ኣብ ትግራይ ብጣዕሚ ስርዓት ዝዓሰሎ እዩ ተኻይዱ። ህዝቢ ትግራይ ርግኣት ዘለዎ፣ ለባምን መስተውዓልን ንብሎ ዝነበርና ብተግባር ሸዓ ገሊፅዋ እዩ። ሰልፊ ህዝቢ ትግራይ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ምንም ዝተዘርገት ነገር ኣይነበረታን። ልዑል ንቕሓት ከምዝነበሮ ኣመስኪሩ እዩ ህዝቢ ትግራይ። ከም ወታደር ኮይኑ እውን ፀጥታዊ ኩነታት ይቆፃፀርን የኽብርን ነይሩ። እታ ሰልፊ ካብታ ዕላማ ከይትወፅእ ከይትርበሽ ልዑል ጥንቃቐን ሓለዋን ይገብር ነይሩ። ምስ ካልእ ህዝብታት ከየባእሰና ይሰርሕ ነይሩ። ምስ መራሕቲ ከየባእሰና። እታ መልእኽትና ብፅሪታ ክትሓልፍ እውን ይደሊ ነይሩ። ዝጭርሕ ይጭርሕ ፤ዘጣቕዕ ብሓደ ኾይኑ የጣቕዕ ምንም ዝርግርግ ዝብል ነገር ኣይነበረን።”ስቕ በል!” እንተተባሂሉ ስቕ እዩ ዝብል ነይሩ። ስለዚ ዝተፈለየ ዲስፕሊን/ስነ ስርዓት/ እዩ ነይርዎ። ብጣዕሚ ደስ ዝብለካ እዩ። ኣብ ሓደ ትካል ዝተወደበ ሰራሕተኛ እዩ ዝመስል ዝነበረ። 1ነጥቢ 5 ሚሊየን ህዝቢ ወፂኡ እዩ፤ እዚ ኩሉ ዝተተንከፈ ምዃኑ እዩ ዘርኢ። ኣብ ካሊእ ቦታታት ሃገርና ዝረኣናዮ ሰልፊ ዝርግርግ ዝበለ እዩ ነይሩ። ሰንደቕ ዕላምኡ እንተበልካ ፤ጭርሑኡ እንተበልካ ኣብ ማእኸል ሕምስምስ ምፍጣሩ ርኢና ኢና። ህዝቢ ትግራይ ክብሪ ካልኦት ብሄራትን ብሄረሰባትን እውን እዩ ኣርእዩ። ከምቶም ካልኦት ንኽፃረፍ ከይኮነ ንኸኽብር እዩ ወፂኡ። ቂም ዘለዎ ምዃኑ ከርኢ ኣይኮነን ወፂኡ። ኣርሒቑ ዝሓስብ ምዃኑ ኣርእዩ። ፖለቲካዊ ብሰለቱ ነገር ተሸኪሙ ዝኸይድ ምዃኑ ብደምቢ ኣርእዩ። እምበር እቲ ሃገራዊ ኩነታት እኮ በግ በግ! ክትብል ዝገብር እዩ። እዚ ኹሉ ብየማነ ፀጋም እንዳተፀረፈ ፤እዚ ኹሉ መራሕቲ ከይቐረዩ ክንደይ ዘረባ እናተዛረቡ፤ ዘይሽሙ ብዙሕ ጠቐነ እናተለጠፈሉ ሓንቲ ነገር ኣይበለን። ኣብ ኩላ ቦታ። እታ ጭውነት ንሳ እያ። ህዝቢ ትግራይ ኣብቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ እውን ዘስካሕክሕ መስዋእቲ ከፊሉ ክንደይ ፀገም እዩ ተሸኪሙ ሓሊፉ ።ፀኒዑ ከይዱ ኣዕዊቱዋ ድማ እዩ። ሕዚ እውን እንተኾነ ሓፍ ሓፍ ኣይበለን። ንባዕሉ አረጋጊዑ ስርዓት ከትሕዝ እዩ ሰሪሑ። ተፃዋርነቱ ሎሚ እውን ደጊሙ ካሊእ ታሪኽ ሰሪሑ። እቲ ሰልፊ ንኻልኦት ጥራሕ ከይኮነስ ንዓና ንመራሕቲ እውን ትምህርቲ ሂቡና ሓሊፉ እዩ። እታ ተኸባቢርካ ምንባር ዝተባሃለት እውን ካሊእ መንገዲ የብላን፤ ሓድነት እያ ድልየቱ ህዝቢ ትግራይ።
እታ ቓልሲ እውን ማዕርነታዊ ሓድነት እያ ነይራ። ሕዚ እውን ብማዕረ ሓድነትና ነረጋግፅ እያ፤ ዘይኾን እንተኾይኑ ክንብተን ንውስን እያ።”ንበተን” ኣይኮነን እቲ ዕላማ። ተፀቒጥና ግን ክንነብር ኣይንኽእልን እዩ። ኣብ እዋን ቃልሲ እውን ንሳ፤ ሕዚ ውን ንሳያ እያ። ንከባበር ተኸባቢርና ንንበር። ምንፃል እንተንደሊ ሕዚ ኣይኮንናን ክንንፀል፤ ኣቐዲምና ምተነፀልና ነይርና። ምንፃል ግን ኣየድልየናን። እቲ ዝጠቅም ሓቢርካ ምንባር እዩ። ዓለም ሓንቲ ጣቢያ እያ ኣብዝበሃለሉ ዘበነ ጉሎባላይዜሽን ፋሕ ፋሕ ምባል ኣይምረፅን። ክምረፅ እውን ኣይነበሮን። ወይ ተገዲዱ እዩ ወይ ዝኾነ ፀገም ዘለዎ እዩ ፋሕ ፋሕ ክብል ዝደሊ። ገለ ገሊኦም “እዚኦም እኮ ተዳልዮም እዮም” ከምዝብልዎ ኣይኮንናን። ካብ ቀደሙ ንፁር ቁዋም እዩ ነይሩና። ፀገም እንተልዩ ድማ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓንቀፅ 39 ተቐሚጣ እያ። ሕዚ ኣብ ትግራይ ዝፈልፈለት ኣይኮነትን። ናይ ትግራይ ዓንቀፅ የብልናን። ወይ ሓቢርካ ፌዴራላዊ ስርዓት ምውሳድ እያ ፤ወይ ድማ ፀገም እንተልያታ ክሳዕ ምንፃል ምኻድ እያ ዘላ ኣማራፂ ዕድል ፤ይፈልጥዋ እዮም። በዚ ዝኸፍኦ ዘይስማዕመዖ እንተልዩ ከምድላዩ ይበኣስ። ንሕና ግን ናብ ውግእ ኣይንኣቱን። ናብ ውግእ ዘእቱ የብልናን። ኢትዮጵያ ሶማሊ እውን ከምኡ “ከፊኡኒ እዩ” እንተኢሉ መሰል ኣለዎ። ኣብ ሕገ- መንግስትና ዘሎ ዓንቀፅ 39 ክጥቀም ይኽእል እዩ። ናብኣ ከይኸይድ ግን ክንገብር ኣለና። ተኸባቢርና ንንበር ማለት ንሱ እዩ። ሓቢርና ኢና ክንነብር ዘለና ፤ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ክኾን ኣይኽእልን። ማንም ትሕቲ ሓደ እውን ኣይኾንን። ተደላሊኻ እያ፤ ተሓጋጊዝካ እያ ንቕድሚት ትኽየድ እምበር ብሓይሊ ተፀቒጥካ ዝበሃል ዓመተ ምህረቱ ሓሊፍዎ እዩ። ብሓይሊ ዝበሃል ኣይሰርሕን። ንግዚኡ እንተኾነ እውን ፅባሕ ክትብተን እያ እታ ዓዲ ። ምብታን ድማ ጀሚሩ እዩ። ምክብባር እንተዘይሃልያ ብፍሉይ ትግራይ ኣይኮነትን በዚ ገይረ ክኸድ እየ እትብል። በቢዘለዎ ኩሉ ክብተን እዩ ። እዚ ድማ ክጋፋሕ እዩ። መሰሉ ክፅቀጥ ዝደሊ ህዝቢ የለን። ቀደም እውን ኣይነበረን ። ስለዚ ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ እውን “ተኸባቢርና ንንበር ፤ ብጉልበት ዝስራሕ ነገር የለን፤ ኢትዮጵያ ሱማሊ ይኹን ካሊእ ክኽበር ኣለዎ፤ ካሊእ እውን ክኽበር ኣለዎ” ዝብል እምበር ንምንፃል ምድላው ፈፂሙ ኣየርእን። ፀቕጢ ናይ ዘይምቕባል ንዑኡ ዝሽከም ማእገር ከምዘየለ ንምርኣይ እዩ። ክንፀል ዝደሊ ዘይጠዓሞ ድማ ሕገ- መንግስታዊ ስርዓት ኣኽቢሩ ክንፀል ይኽእል ፤እዚ እውን ማንም ዝኽልክሎ ኣይኮነን ።ሕዚ ድማ መሰል እንታይ ምዃና ህዝቢ ኢትዮጵያ ሪኢዋ እዩ። “እታ ዝጎደለትኒ ኣስተኻኽለለይ እዩ” ዝብል ዘሎ እምበር እታ ዝነበረት መሰሉ ክስእና ኣይደልን ። ስለዚ ናብ ዘየድሊ የማን ፀጋም ምኻድ ኣየድልን እዩ። ስለዚ ተኸባቢርና ንንበር እዩ እቲ መልእኽቲ። ተረጊፁ ዝነብር ህዝቢ የለን። ስለዚ ህድእ በሉ፤ ተረጋግዑ ኢና ንብል ዘለና። ሃገር ክትቐንዕ እንተኾይና ተመያይጥካን ተኸባቢርካን ምኻድ እያ ፈውሳ። ስለዚ ኣብቲ ዝተኻየደ ሰልፊ ልዕሊ ኹሉ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ እየ ሪአ። በቢቦትኡ እንትዘራረብ ኣብ ጉዳያት ሃገሩ ሓደ አዩ። ኣብ ሕገ-መንግስቲ ሃገርና ሓደ አዩ። ሕገ መንግስቲ ንኹሉ ስለዝጠቅም።
ወይን

Comments are closed.