መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጂነሪንግ ሓላፍለኑ ዝተወሰነ ውልቀ ኩባንያ ን150 ኣረጋዉያንን ንተመዛበልትን ከምኡ’ዉን ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ፀገማት ንዝርከቡ ዜጋታት ሓገዝ ገንዘብን ናዉትን አበርኪቱ።

893

መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጂነሪንግ ሓላፍለኑ ዝተወሰነ ውልቀ ኩባንያ ን150 ኣረጋዉያንን ንተመዛበልትን ከምኡ’ዉን ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ፀገማት ንዝርከቡ ዜጋታት ሓገዝ ገንዘብን ናዉትን አበርኪቱ።

እቲ ኩባንያ ሓብሓቢ ንዘይብሎም 80 ህፃናትን ኣብ ደሞም ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ዘለዎም ወጋናትን ወርሓዊ ድጎማ ገንዘብ ዝገብር እንትኸዉን፥ በቢ ዓመቱ ድማ ጠዋሪ ንዘይብሎም ኣረጋዉያን ኣብ ወርሒ መስከረም ንመዉዐሊ ኣዉደአመት ዝኸዉን ገንዘብ ከምዘበርክት ሓላፊት ጥዕናን ድሕንነትን እቲ ኩባንያ ሲስተር ሳራ ተስፋይ ተዛሪበን።

ብመሰረት እዚ ሎሚ መዓንቲ ን150 ጠዋሪ ዘይብሎም ኣረጋዉያን ንነብሲወከፍ 1 ሽሕ ቅርሺ ድጋፍ ገይሩ ኣሎ።

ካብ ዝተፈላለዩ ኸባብታት ንዝተመዛበሉ ወገናት ድማ ብሓፈሻ 150 ሽሕ ብር ዝሃበ እንትኸውን፥ እቲ ገንዘብ ነቶም ተፈናቐልቲ ብኢድ መንግስቲ ንክወሃብ ዓሊሙ ንምኽትል ሓላፊት ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ወይዘሮ ንግስቲ ወልደሩፋኤል ኣረኪቡ እዩ።

ስለዝኾነ “ኣብ ኸባቢና ንዘለዉ ዝተፀገሙ ክፋላት ሕብረተሰብ በቢዓቕምና እንገብሮ ሓገዝ ኣብ ምቅላል ፀገም ሕብረተሰብ ዓብይ ግደ ኣለዎ” ዝበላ ወይዘሮ ንግስቲ፥ እቲ ኩባንያ ብፍላይ ንህፃናት ዝገብሮ ሓገዝ ኣበርቲዑ ክቕፅለሉ ይግባእ ኢለን።

FBC

Comments are closed.