ክቡር ተጋዳላይ ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ኣብ ዛላኣንበሳ ካብ ውሽጢ ዝበልዎ

1,662

ክቡር ተጋዳላይ ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ኣብ ዛላኣንበሳ ካብ ውሽጢ ዝበልዎ ================================= #ኣንቱም ኣብ ሳሕል ናቕፋን ካልኦት ቦታታት ብሓባር ዝተሰዋእኹም ሰብ ቅያ በዛ ታሪኻዊት ዕለት ደጊምኩም ህያዉ ኮይንኩም ኣለኹም። ጎዲፉ ሃሲሱን ዝነበረ ታሪኩም ብብባሕቲ መስከረም ፀርዩ ዳግም ተወሊዑ ደሚቑ ኣሎ። መስዋእትኹም በኪ ኣይተረፈን። ##ጉዕዞናን ዛዕባናን ናይ ምትህልላቕ ዘይኮነስ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝካ ንጉዕዞ ሰላም ምስጓም እዩ። ###ኣብ ዕለት ሓደ ባሕቲ መስከረም ሓዱሽ ምዕራፍ ተበሲሩ ኣሎ። ኣረጊት ዘመን ምቅይያምን ምርሕሓቕን ብሓዱሽ ዘበን ሓልዮትን ምቅርራብን ተተኪኡ ኣሎ። ####ዝኸበርኩምክልቲኡ ህዝብታት መፃኢ ጉዕዞና ሓዱሽ ቅያ ስልጣነ ንፅሕፈሉን ኣብ ልዕሊ ሰናይ ታሪኽ ካሊእ ሰናይ ታሪኽ እንዳደራረብና ንስጉመሉ እዩ።ዝሓለፈ ግዘ ክነካሓሕስ ቖሪፅና ንላዓል። ዓቕምታትና ነዋድድ። ተበቲና ዘይኮነስ ተጠሚርና፤ እንዳተጠላለፍና ዘይኮነስ እንዳተሓጋገዝና ንቕድሚት ንሰጉም። ደወል ሰላምን ልምዓትን ተደዊሉ እዩ። ዘበኑ ዘበን ሃይሃይታ ምዃኑ ፈሊጥና ከባቢና ሞዴል ሰላም ፣ስኒት፣ ምትሕልላይ ሓቢርካ ምልማዕ ንግበሮ።

Comments are closed.