መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ስምምዕ ሰላም ተፈራሪሞም

452

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝጸንሓ ኹናት ብምዝዛም ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ጅዳ ስዑዲ ዓረብ ስምምዕ ሰላም ተፈራሪሞም።

ሰበ ስልጣን ክልቲኦም ሃገራት ብዛዕባ’ቲ ስምምዕ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃቡን፡ እንተኾነ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዝተጀመረ ስምምዕ ሰላም ዘሓይል’ዩ ክብሉ ግን ሓቢሮም ኣለው።

ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ንጉስ ሳልማንን ወዶም ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ነቲ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝተፈረመ ስምምዕ ምትእንጋዶም ተገሊጹ’ሎ።

ጠቕላሊ ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረስ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምፍርራም ከምዝተረኽቡ’ውን ተገሊጹ’ሎ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝጸንሓ ኹናት ኣብ ወርሒ ሓምለ ብዝተፈረመ ኣዋጅ ሓባራዊ ሰላምን ምትሕብባርን ምብቕዑ ድሕሪ ምሕባሩ መስመር ቴሌፎን፡ መንገዲ ኣየር ከምኡ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መጉዓዝያ ምድሪ ንምጅማር ዶብ ክልቲኣን ሃገራት ዳግማይ ምክፋቱ ይፍለጥ።

መራሕቲ ክልቲኣን ሃገራት ብተወሳኺ ትማሊ ሰንበት ዝለዓለ ሽልማት ስዑዲ ዓረብ ካብ ንጉድ ሳልማን ተዋሂብዎም ኣሎ።

voa

Comments are closed.