# እዋናዊ መግለፂ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ

1,009

#ካብ ዝሓለፉ ክልተ ሰለስተ ዓመታት ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሃገርና ብዝተፈጥረ ህውከትን ዕግርግርን ሰላምን ድሕንነትን ዜጋታት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዝኣተወን ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባብታት ድማ ሰባት ካብ ዝወፈሩዎ ብሰላም ንምምላስ ኣዝዮም እናተፀገሙ ከምዝመፁን ዝፍለጥ እዩ፡፡ ዜጋታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሃገሮም ብነፃነት ናይ ምንቅስቓስ፣ ምንባርን ሃፍቲ ናይ ምፍራይን ምውናንን ሕገ መንግስታዊ መሰሎምን ነፃነቶምን ዝግድብን ኣብ ቁጠባዊ፣ ፖለቲካውን ማሕበራውን ዕብየት ሃገርና እውን ከቢድ ማህሰይቲ ዘብፅሕን ኣዕናዊ ተግባር ብምዃኑ ብዝኾነ ይኹን መምዘኒ ተቐባልነት ዘይብሉን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ጠጠው ክብል ዝግብኦን እዩ፡፡

#እዚ ኣዕናዊ ተግባር ካብ እዋን ናብ እዋን እናዝሓለን እናሰኸነን ክኸይድዝግብኦ እኳ እንተኾነ ሐዚ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሃገርና እናገደደን ናይ ጥፍኣት መጠኑ እውን እናሰፍሐን ይኸይድ ኣሎ፡፡ ኣብ ህይወት ሰብን ንብረትን ልዑል መጉዳእቲ የብፅሕ ኣሎ፡፡ እዚ ድማ ከይዱ ከይዱ ሃገርና ናብ ኣዝዩ ዝኸበደ ቅልውላው እናእተዋ ዘሎ ተግባር ብምዃኑ ብህፁፅ ጠጠው ክብል ይግባእ፡፡

#ዝተፈልየ ሓሳብ ዘለዎ ዝኾነ ይኹን ኣካል ሓሳባቱ ብነፃነት ከቕርበሉ ዝኽእል ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ኣብዘለዋ ሃገር መሰልን ነፃነት ብዙሓት ብዝፃረር መልክዑ ድልየታትካ ብሓይሊ ክተፈፅም ምንቅስቓስ ውፅኢቱ ዕንወት ምዃኑ ብተግባር እውን እናርአናዮ ኢና፡፡

#ሕቶታት ፖለቲካ፣ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ዘለዎ ኣካል ኮነ ከባቢ ሕቶታቱ ብሰላማውን ሕጋውን ኣገባብ ክሓትትን መልሲ ክረክብን እናተገብኦ ብሽም ሕቶ ፖለቲካ፣ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ፣ ንብረትን ትካላት ልምዓትን ጉድኣት ምብፃሕ ነቶም ሕቶታት መልሲ ምሃብ ኣየኽእልን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ቀፃሊ ጉዕዞ ሃገርና እውን ብቐሊሉ ዘይሕለፍ መሰናኽል ስለዝፈጥር መንግስትን ዜጋታትን ንከምዚ ዝብሉ ኣዕነውቲ ተግባራት ክፃወሩ ኣይግባእን፡፡

#ትማሊ ኣብ ቡራዩ ሎሚ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝበፅሐ ጉድኣት እውን ብህፁፅ ጠጠው ክብል እናፀዋዕና ብተመሳሳሊ ኩነታት ንዝፍጠሩ መጉዳእትታት ምፅዋር ማለት እቲ ፀገም ናብ ብዙሓት ከባብታት ንኽዛመት ምፍቃድን እቲ ኩነታት ካብ እዋን ናብ እዋን እናሰፍሐን እናኸበደን ንክኸይድ ተወሳኺ ዕድል ምሃብ ማለት ከምዝኾነ እውን ክስመረሉ ይግባእ፡፡

#መንግስቲ ፌደራልን ክልላትን እውን ናይቲ በቢከባቢኡ ዝፍጠር ዘሎ ሓደጋን ሳዕቤኑን ብዝግባእ ብምርዳእ ኩነታት ሰላም ሃገርና ኣብ ምርግጋፅ ፍሉይ ቆላሕታ ሂቦም ንክሰርሑ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ይፅውዑ፡፡ ኣብዚ መዳይ ብሓደ ወገን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ብምቕራብ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ በቲ ካልእ መዳይ ድማ ህዝቢ ብዝተወደበ ኣገባብ ሰላሙ ባዕሉ ንክሕሉ ዘኽእሎ ምችው ኩነታት ንምፍጣር ብልዑል ሓላፍነት ምስራሕ ከምዘድሊ ክነስምረሉ ንደሊ፡፡

#ዜጋታት ሃገርና እውን ናይ ሃገርና ውሑስ ሰላም ብምርግጋፅ ዝተጀመረ ጉዕዞ ህዳሴ ግሁድ ንምግባር ካብኦም ዝግባእ ዘበለ ኩሉ ዓይነት ኣስተዋፅኦ ንኸበርክቱ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፃውዒቱ የቕርብ፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
07 መስከረም 2011ዓ.ም
ትግራይ
መቐለ

Comments are closed.