ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዛዕባ ሰላምን ልምዓትን ዝዝትይሉ በሪ ምኽፋቱ ተሓቢሩ

486

ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዛዕባ ሰላምን ልምዓትን ዝዝትይሉ በሪ ምኽፋቱ ተሓቢሩ
********************************************************************
ኣብ ሓዱሽ ዓመት 2011 ዓ/ም እቲ ከባቢ 20 ዓመት ዝፀንሐ ፀሊም መጋረጃ ተቐንጢጡ፣ ብሩህ ተስፋን ሓዱሽ መንፈስን ዓሲሉ፣ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዛዕባ ቐፃሊ ዕዱሎም፣ሰላምን ልምዓትን ብሓባር ኮፍ ኢሎም ዝዝትዩሉ በሪ ብምኽፋቱ ኣዝዩ ዘሕጉስ ምዃኑ ምክትል ኣመሓዳሪ ዞባ ማእኸል ትግራይ ኣይተ ፀጋይ ገብረኺዳን ገሊፆም ፡፡
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ወረዳ መረብ ለኸ ኣብ ሩባ መረብ ዝተኸፈተ መድረኽ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ዝተረኸቡ ምክትል ዋና ኣማሓዳሪ እቲ ዞባ ኣይተ ፀጋይ፤ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንልዕሊ 20 ዓመት ዝነበረ ኲናትን ጎንፅን ኣብቂዑ፤ ሕዚ ብፍላይ ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ነቲ ክናፍቑዎ ዝፀንሑ ዕለተ ሰላምን ፍቕርን ጋህዲ ኮይኑ ብምርኣዮም፣ ሓድነት ክልቲኡ ህዝቢታት ናብ ቦትኡ ብምምላሱን ታሪኾም ዳግም ዘሕድሱሉ ዕድል ብምፍጣሩን ዘሕጉስ ምዃኑ ኣብሪሆም፡፡ ብተወሳኺ ህዝቢታት ትግራይን ኤርትራን ናይ ሓባር ቋንቋ፣ባህሊን ሃይማኖትን ዝወነኑ ምዃኖም ዝጠቐሱ እቶም ምክትል ዋና ኣማሓዳሪ፤ እዞም ህዝብታት ብደምን ዓፅምን ዝተኣሳሰሩን ዘይፈላለዩን ስለዝኾኑ ኣብዛ ዝተራኸቡላ ወርቃዊት ዕለት ሓደ ልቢ ኾይኖም ዳግም ታሪኽ ንምሕያልን ንምሕዳስን ከምዝተለዓሉ ኣፍሊጦም፡፡
ከም አገላልፃ ኣይተ ፀጋይ፤ ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ንዘመናት ሓቢሮም ዝነበሩን ብሓባር ታሪኽ ዝሰርሑን እኳ እንተነበሩ፤ ብታሪኽ ኣጋጣሚ ግና ካብ ፅልኣት ክልቲኡ ህዝብታት ዘይብገስ ናብ ዘየድሊ ኲናት ኣእትዮምን ተፈላልዮም ፀኒሖምን እዮም ፡፡ ይኹን እምበር ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሃገራት ሰላም ኣብ ዘይነበረሉ እዋን እውን እንተኾነ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ብለይትን ብቐትርን ብሕቡእ ዝራኸቡሉ፣ እቶም ብኣካል ክራኸቡ ዕዱል ዘይረኸቡ ወገናት ድማ ቀሲኖም ዘይድቅሰሉን ብልቦም ዝናፍቕሉን “ሎሚ ወይ ፅባሕ ናብ ንቡር ብፍቕርን ሓድነትን ክንምለስ ንኾን ኢና” ኢሎም ብሃንቀውታ ዝፅበዩ ህዝብታት ከምዝነበሩን ሓቢሮም፡፡ ከምኡ እውን ክልቲኦም ህዝብታት ኣብቲ ዝሓለፈ ብረታዊ ቃልሲ ዘጋጥሙዎም ዝነበሩ ፈተናታት መኪቶም፣ ብሓባር መስዋእቲ ከፊሎም ኣብ ሓደ ጉድጓድ ተቐቢሮምን ታሪኽን ክብሪን ሃገራቶም ሓልዮም ምፅንሖም እውን እቶም ምኽትል ዋና ኣማሓዳሪ ወሲኾም ኣዘኻኺሮም ፡፡
ነቲ መድረኽ ብመደረ ዝኸፈቱ ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ራማ ኣይተ ፅገ ተስፋይ ብወገኖም፤ “እቲ ዝሓለፈ 20 ዓመት ብፍላይ ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ብዝለዓለ ሃንቆውታ ክፅበዩዎ ዝፀንሑ ሰላም ብምዕታርኩምን ተሓፂሩ ዝነበረ ዶባት ብዕሊ ዝኽፈተሉ እዋን ንምርኣይ ብምብቃዕኹምን እንኳዕ ኣሕጎሰኩም” ኢሎም፡፡ ህዝቢ ትግራይ ምስ መሪሕ ውድቡ ህወሓት ብምዃን ንናፅነት ህዝቢ ኤርትራ ካብ መፈለምትኡ ብመትከል ተቐቢሉ ናብ ዋጋ ዕዳ ከየእተወ ካብኡ ትፅቢት ዝግበረሉ ኹሉ ቃልሲ ዝገበረን መስዋእቲ ዝኸፈለን ህዝቢ ከምዝኾነ ዝጠቐሱ ኣይተ ፅገ፤ ኣስዒቦም ድማ “ምትእስሳር ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ብኣጋጣሚ ዝተፈጠረ እንተይኮነ፤ ብኩሉ መዳዩ እንትርአ ኣብ ዓለምና ካብ ዘለው ጎረባብቲ ህዝብታት ፉሉይ ይገብረና” ክብሉ ኣረዲኦም፡፡ በዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኣጋጣሚ ክልቲኦም ህዝብታት ብሓባር ናይ ዝኸፈልዎም ስውኣት ቃል እንተይኣዕበሩ ተሓጋጊዞም ንህዝቦም ካብ ድኽነት ከናግፉዎም ብሓባር ክሰርሑ ፃዊዒት ኣቕሪቦም ፡፡
ብወገን ኤርትራ ኣብቲ ፅምብል ሰላም ዝተረኸቡ ኣካያዲ ስራሕ ከተማ እንዳገርግስ ኣይተ ኣርኣያ የዕብዮ ድማ ፤“ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይ ሓድነትና ኣደልዲልናን ካብ ሕሉፍ ተሞክሮና ተማሂርናን መፃኢ ብሩህ ተስፋ ጉዕዞ እነጣጥሓሉ ፅቡቕ ሃዋህው ሰላም ብምብፃሕና ኣዚና ሕጉሳት ኢና ኢሎም፡፡ ኣስዒቦም ድማ ናብ እዚ ውላድ ምስ ወላዲኡ ብሓባር ዝውዕለሉ ዳስ ሰላም እንኳዕ ኣብፀሓና፤ እንኳዕ ኣብፀሓኩም ዮሃና” ክብሉ እዮም ዝተሰመዖም ሓጎስ ዝገለፁ፡፡ ኣይተ ኣርኣያ፤ “ህዝቢታት ኤርትራን ትግራይን ስርዓት ደርጊ ንምልጋስን መሰል ህዝቢ፣ ሃገርን፣ ፍትሕን ሓቅን ንምንጋስን ብሓባር ኣብ ዘካየድዎ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ዘልኣለም ዝዝከር ናይ ሓባር ጅግንነት ዝፈፀምሉ ህያው ታሪኽ ከም ዘለዎምን ነዚ ምስክር ከም ዘየድልይን ወሲኾም አረጋጊፆም ፡፡
ኣብቲ ፅምብል ሰላም ንዝተረኸቡ ኣባላት ምስንዳእ ጋዜጣ ወይን ርኢቶኦም ካብ ዝሃቡ ነበርቲ ወረዳ መረብ ለኸ ጣቢያ ወዲ ዓምበራይ ዝኾኑ ኣይተ ገብረየሱስ ይሕደጎን መምህር ፈለገ ወንጌል ኣስፈሃለይን ብወገኖም፤ ዝሓለፈ 20 ዓመት ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ኤርትራ ኣብ ሰላምና፣ ኢኮኖሚና፣ ኣብ እንስሳትናን ኣብ ሰብናን ብዙሕ ክሳራ በፂሑና እዩ” ምስ በሉ፤ ብርክት ዝበላ እንስሳ ዘቤት ዝራባሓሉ ዝነበረ በረኻ ብነታጒን ድፋዕን ተዓፅዩ ኩልሻዕ ሰብ ንሰብ እናተቓተለ ዓብይ ፀገም ከም ዘሕለፉ፤ በዚ ሕዚ ተረኺቡ ዘሎ ሰላምን ቅሳነትን ድማ ሓጎሶም ደረት ከም ዘይብሉ ገሊፆም፡፡
ወተሃደር ኤርትራ ዝኾነ የማነ ኣብረሃለይ፣ ካብ ኤርትራውያን ዝተወለደን ነባሪ ከተማ ራማን መንእሰይ ግርማይ ሃይለስላሰን ነባሪት ምምሕዳር እንዳገርግስ ወ/ሮ ጎዐይ ገብረገርግስን ብወገኖም ኣብዝሃብዎ ተመሳሳሊ ሪኢቶ፤ ህዝቢታት ትግራይን ኤርትራን ብሓባር ተወሓዋዊሱ ሕለፍ ተማሓላለፍ ሰላም ኮይኑ ከም ቀደሙ ክስሕቕ፣ ክፃወትን ክጋየሽን ይምነዩ ምፅንሖም ገሊፆም፡፡ ሎሚ ድማ ዝተመነናዮ ሰሚሩ ኣብ ሩባ መረብ ተራኺብና እቲ ንምዮ ዝነበርና ሰላም ረኺብናዮ፡፡ ካብ ሕዚ ንደሓር ከይተፈላለና ብሓባር ክንለምዕን ከም ቀደምና ክንነግድን ኢና ንደሊ፤ ክብሉ ስምዒቶም ገሊፆም፡፡
ኣብቲ ኣብ ሩባ መረብ ዝተኻየደ ፅምብል ሰላም ካብ ክልቲኦም ሃገራት ዝመፁ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊትን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ዝተረኸብሉን ብፍላይ ካብ እቲ ከባቢታት ዶባት ዝወሓዙ ነበርቲ ወረዳ መረብ ለኸን ንኡስ ዞባ ዓዲዃላን ዝተዳለውሎም እንግዶት ምሳሕ ብሓባር ዝተኣንገዱን እንትኾኑ፣ ካብ ክልቲኦም ወገናት ዝመፁ ጉጅለታት ባህሊ ኣቢሉ ብዝቐረበሎም ዘመናውን ባህላውን ደርፍታት እናተዘናግዑ ውዒሎም፡፡ ድሕሪ 20 ዓመት ንፈለማ እዋን ህዝቢ ትግራይ ምስ ሓው ህዝብ ኤርትራ ዝራኸበሉ ባሕቲ መስከረም 2011 ዓ/ም ብወገን መስመር ዛላምበሳ መንገዲ ከም ዝተኸፈተን ውዕውዕ ምንቅስቓስ ማሕበራውን ንግዳውን ምንቅስቓሳት ከም ዝተጀመረ ይፍለጥ ፡፡

Comments are closed.