ወያናይ መስመር ብማዕበል ወያነ ዝደምቀሉ ጉባኤ

711

በብምዕራፉ ዝተኻየዱ ውድባዊ ጉባኤታት ህወሓት ነናይ ባዕሎም ፍሉይ ዝኾነ ነቲ ቓልሲ ናብ ቅድሚት ዝወስድ መግለፅታት ነይርዎም ክበሃል ይከኣል፡፡ ንኣብነት ንመበል 11 ግዜ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ጉባኤ ህወሓት እኳ እንተርኢና ስሙይ መራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ንፈለማ ግዜ ዘይተሳተፈሉ ጉባኤ ኮይኑ “ጉባኤ መለስ ንዕብየትን ዝላን” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተሳለጠ ጉባኤ ነይሩ፡፡ እዚ 16 መስከረም 2011 ዓ/ም ዝካየድ መበል 13 ውድባዊ ጉባኤ ህወሓት እውን ምስቲ ህልው ሃገራዊ ኩነታት ብምትእስሳር ናይ ባዕሉ ፍልይ ዝበሉ መግለፅታት ሒዙ ዝካየድ ጉባኤ እዩ ክበሃል ይከኣል፡፡
ንኣብነት ኢህወዴግ ብብርኪ ሃገር ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብዘጋጠሞ ናይ ውሽጢ ምብስባስ ሓደጋ አብዛ ሃገር ፅግዕተኛ ሓይልታት ድምፆም ኣጉሊሆም ዘስምዕሉን ነዚ ስዒቡ ድማ ሃገርና ንምብታን ኣብ ቀራና መንገዲ ዝኣተወትሉ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ብምዃኑ ካብቶም ዝሓለፉ ጉባኤታት ፍልይ ዝበለ ከምዝኾነ ብዙሓት ይሰማምዕሉ፡፡
ነዚ ብብርኪ ሃገር ንህላወ ዓድን ዜጋታትን ናብ ሕቶ ምልክት ዘእቱ ተኣናፊ ኩነታት ናብ ንቡር ኩነታት ንምምላስ ህወሓት ኣብዚ ወድባዊ ጉባኤ ካብ ዝኾነ ጉባኤን እዋንን ንላዕሊ ኣገደስቲ ዉሳነታት እተሕልፈሉ ከምዝኸውን ትፅቢት ብዙሓት ወገናት ኮይኑ ኣሎ፡፡ እዚ ጉባኤ ዕውት ንክኸውን ድማ ብርክት ዝበላ ኮሚቴታት ተጣይሸን ኣብ ምንቅስቓስ እየን ዝርከባ፡፡
ካብተን ኮሚቴታት ገሊአን ሓንቲ እቲ ጉባኤ ቅድሚ ምጅማሩ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ምልዕዓልን ምምልኻዕን እትውግን ዘላ ንኡስ ኮሚቴ ምግያፅን ምምልኻዕን ሓንቲ እያ፡፡ ዛጊድ ካብ ዝሰርሓቶም ስራሕቲ ድማ ከምቲ ሓደ ጋሻ ናብ ገዛኻ እንትመፅእ ገዛኻ አፅሪኻ እትቕበሎ፤ እታ ነዚ ጉባኤ እተካይድ ዘላ ከተማና ከተማ መቐለ (ሰሜናዊት ኮኸብ) እውን ፅርይቲ፣ ውቅብትን ካብ ሕማቕ ጨና ናፃ ንክትከውን ስራሕቲ ፅሬት ኣብ መላእ እታ ከተማ ከምዝተኻየደ ኣባል እታ ኮሚቴ ዝኾኑ ኣይተ ግዛቸው ግርማይ ነጊሮምና፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ” ጉባኤ ፅንዓትን ሓድነትን ንሕዳሰና” ዝብል መፀወዒ ሽም ብምስያም ከምኡ እውን “ህዝባውነትና መሰረት ፅንዓትናን ዓወትናን” ዝብል መሪሕ ጭርሖ መሰረት ብምግባር ጉባኤና ሕብረተሰብ ቐዲሙ ምእንታን ግንዛበ ክህልዎ ዝተፈላለዩ ባነራትን ፅሑፋትን ተሓቲሞም ኣብ ጎዳናታት ከተማ መቐለን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታት ትግራይን ምስቃል ከምዝተጀመሩ ወሲኾም ሓቢሮም፡፡ በታ መሰናዳዊት ኮሚቴ ዝተሓረዩ ካልኦት መልእኽታት እውን ተዳልዮም ከምዘለዉ እዮም ኣይተ ግዛቸው ዘረድኡ፡፡ እዚ ጉባኤ ከምቶም ካልኦት ዝሓለፉ ጉባኤታት ልዕልነት ወያናይ ዴሞክራሲ (hegemony) ንምርግጋፅ ዝግበር ፃዕሪ ጥራሕ እንተይኮነስ ናይ ሰላም፣ ዴሞክራስን ልምዓትን ጉዕዞና ካብ ዝተዓንቀፎ ኣውፂእኻ ናይ ምቕፃልን ውሕስቲ ሃገር ናይ ምፍጣርን ተልእኾ እውን ክህልዎ እዩ፡፡
ወይን

Comments are closed.