ጉባኤ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ዝፅበዮ ለውጢ ከም ዝውስን ተገሊፁ

1,025

ጉባኤ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ዝፅበዮ ለውጢ ከም ዝውስን ተገሊፁ
ጉባኤ መበል 13 ጉባኤ ህወሓት ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ዝፅበዮ ዝጠቅም ታሪኻዊ ለውጢ ከም ዝውስን ሎሚ ከተማ መቐለ ኣብ መእከቢ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት እንትጅመር ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ተሪኺቦም መደረ ዘስምዑ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረፅየን ገብረሚካኤል ዘለዎም እምነት ገሊፆም፡፡
ዶ/ር ደብረፅየን፤ ጉባኤና ኣብ ጉዕዞ ሕዳሰና ናይ ባሉ ፍሉይ ታሪኽ ዘለዎ ናይ ለውጢ ጉባኤ እዩ ምስ በሉ፤ ኣብዚ ጉባኤ ካብ ሕሉፍ ተማሂርና ቀፃሊ ጉዕዞና ኣመዓራሪና ህዝብና ዝጠቅም ውሳነታት ዝውሰነሉ ከምዝኾነን ሓቢሮም፡፡ አስዒቦም እውን እዚ ታሪኻዊ ብፅሒት ጉባኤ ህወሓት ዝልካዕ ድማ ኣብ ናይ ትግራይ ዲሞክራታይዜሽንን ትራንስፎርሜሽንን ጉዕዞ ዝገብሮ ኣስተዋፅኦን ከምዝኾነ ኣፍሊጦም፡፡ በዚ መንፈስ ኩሉ ጉባኤተኛ ክውንነቱ ከረጋግፅን ግብኡ ክፍፅምን እቶም ኣቦ መንበር ህወሓት ፀዊዖም፡፡
ዝርዝር መደረኦም እነሆ:-
ኣቦ መንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዶ/ር ደብረፅየን ገብረሚካኤል ኣብ መኽፈቲ መበል 13 ጉባኤ ህወሓት ዘስምዕዎ መደረ ሙሉእ ቃል ቀሪቡ ኣሎ፡፡
ዝኸበርኩም ኣመራርሓን ኣባላትን ህወሓት ኢህወዴግን መሓዙት ውድባትን
ዝኸበርኩም ሕገ መንግስትን ሃገርናን ክልልናን ኣብ ምኽባር ትርከቡ ፖለቲካዊ ውድባት ኣመረራርሓታት
ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ መበል 13 ጉባኤ ህወሓት
ዝኸበርኩም ካብ ወፃእን ውሽጢ ሃገርን ዝመፃኹም ኣጋይሽ
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን
ኣቐዲመ እንኳዕ ናብ መበል በዓል 13 ጉባኤ ህወሓት ሓዱሽ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ንምፅሓፍን ንምስታፍን ዝመፃኹም ኩሉኹም እንኳዕ ብደሓን መፃኹም እናበልኩ ዝተሰመዐኒ መዘና ዘይብሉ ክብሪ ክገልፀልኩም ይፎቱ፡፡
ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ ጉባኤተኛታት፤ ህወሓት ምስ ካልኦት ውድባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ኮይኑ ዝገበሮ ቃልስን ዝኸፈሎ መስዋእትን ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ሃገርና ክትግበር ዛጊድ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን መዳያት ዘሕብን ዓወትን ተስፋን ዘለዎ ለውጢ ተመዝጊቡ እዩ፡፡ኣብ ገጠር ዘሎ ህዝብና ካብ ድኽነትን ድሕረትን እናተናገፈ መነባብርኡ ደረጃ ብደረጃ እናተመሓየሸ ኣብ ምዃድ ይርከብ፡፡ ይኹን እምበር እንቃለሰሉ ዘለና ዕላማ ኣብ ድኽነት ምንካይ ዝተሓፀረ እንተይኮነስ፤ ዝለምዐት ትግራይን ሃገርን ንምርኣይ ምስ ድኽነትን ድሕረትን እትነብር ሃገር እንተይኮነስ፤ ብሳይንስን ቴክኖሎጂን ዝማዕበለት ሃገር ክትህልወና ምእንቲ እዩ፡፡ ካብ ዝተወሰኑ ናይ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ ግን ነቲ እንምነዮ ናይ ርሑቕ ዕላማና ዘዕውት ኩነታትስ ይትረፍ ናይ ሓፂር እዋን ሽቶታትና እናተሰንከሉ ጉዕዞ ልምዓትና ዝዘሓሓለሉ ብሽግር ሰናይ ምምሕዳር ህዝብና ዝብደለሉ ኩነታት እናዓበየ መፂኡ እዩ፡፡
ክቡራትን ክቡራንን
ውድብና ኢህወዴግ ዘሕንኩሉና ሽግራት ብዕምቆት ፈቲሽካ መፍትሒ እንተዘይተቐሚጥሉ መስመር ውድብናን ውርሲ መለስን ምቕፃል ኣፀጋሚ ጥራሕ እንተይከነ፤ ስርዓትና ናብ ዝኸፍአ ቅልውላው ከም ዝኣቱ ብምርዳእ ብዕምቆት ናይ ምህዳስ ምንቅስቃስ ብምውላዕ ዘፋሕቲ ገምጋማት ኣካይዱ እዩ፡፡
ውድብና ልዕሊ ኹሉ ንባዕሉ እናፈተሸ ድኽመታቱ ብዘይ ምሕረት እናተቓለሰን ካብ ኣቲዎ ዝነበረ ሕመቓት እናወፀ ስሉጥ ዕብየት እናረጋገፀን ታሪኽ ምስራሕ ዝለመደን ውድብ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ሕዚ እውን ካብ ሽግራቱ ንምውፃእ ቃልሱ ወሊዑ ዝቓልሲ ብዝበለፀ ክዓሙቕ ብቐፀልቲ ናይ ውድብን መንግስትን መድረኻት ክስነን ክጠናኸርን ገይሩ እዩ፡፡ ኣብ መድረኻትና ኩሉ ተመሳሳሊ አረዳዳኣን ሽግራትን መፍትሒታት ምእንታን ክህልዎ ፃዕሪ ተገይሩ እዩ ፡፡
ውድብና ለውጢ ንምምፃእ ዓብይ ምድላውን ሓደሓደ መደባት ክትግበር ኣብ ዝጀመረሉ ናይ ሕዳሰን ዕብየትን ጉዕዞ ንምትዕንቓፍን ናይ ሃገርናን ወፃኢ ሓይልታትን ተዋዲዶም ሰፊሕ ወፍሪ ኣንፃር ሕገ-መንግስታዊ ፌዴራላዊ ስርዓትና ብሓፈሻ ከምኡ እውን ኣንፃር ውድብና ብፍላይ ዝግበሩ ዘለው ዘየቋርፅ ምርብራብ ህዝብና ሓድነቱ ዘሪጎም ኣሰኲኖም ናይ ባዕልና ዝብልዎ ስርዓት ንምትካል እዩ፡፡ ኣብ ወፃኢ ዝነበሩ ፖለቲካዊ ሓይልታት ናብ ሃገርና ብምሕረት ብምእታዎም እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ዕድል ብዝለዓለ ንምጥቃም ዘሎዎምን ዘይብሎምን ዓቕሞም ወዲቦም ምስ ናይ ውሽጥን ወፃእን ሓይልታት ተኣሳሲሮም መንግስቲ ንምፍራስ ተዋዲዶም ይሰርሑ ኣለው፡፡ ሰላማዊ ዓመፃውን ምንቅስቓሳት ደሪኾም ምክያድ ዝጀመርሉ ኩነታት ተፈጢሩ ሕገ-መንግስታዊ ዜጋታትና እናተረገፀ ወዲ ዝኾነ ይኹን ብሄር ነፃ ኾይኑ ክንቀሳቐስን ክሰርሕን ዝፅገመሉ ግዳይ ጥቕዓታት ኮይኑ ይርከብ፡፡ እዚ ዝረአ ዘሎ ናይ ተስፋን ስግኣትን ኩነታት ኩልና ምስ ካልኦት ብሄራት፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ኮይንና ብምቅላስ ድልየት ህዝብታትና ዝኾኑ ሰላም፣ ልምዓትን ዲሞክራስን ክነግስ ብሄር ምስ ብሄር እናጋጨው ሰላምና ንዝዘርጉ ብዕግርግር ስርዓትና በቲኖም ስርዓቶም ከጣይሹ ዝደልዩ ወገናት ንመክቶም፡፡ ኣቲናዮ ዘለና ፖለቲካዊ ኩነታት ብዓይነቱ ዝተየፈለየን ብኣግባቡ ተመሪሑ ብውሕልልነት ክእለ እንተዘይኪኢሉ ከቢድ ጉድኣት ከጋጥም ስለ ዝኽእል ወያናይ ልምዓታውን ዲሞክራሲያውን መስመርና ብሕገ- መንግስትን ፌዴራላዊ ስርዓትናን ኩለ መዳያዊ ቃልሲ ክገብር ትፅቢት ይግበር ፡፡
ኣብ ሓዱሽ ዓመት ሓዱሽ ብስራት ተበሲሩ ምስ ጎሮቤትና ኤርትራውያን ናይ ቀረባ ርሑቕ ኮይንና ድሕሪ ምፅናሕ፤ ህዝብታትና ክራኸቡ ጀሚሮም፤ እነሆ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ብሓዱሽ መንፈስ ተቐራሪብካ ተሓቛቒፍካ ዘለካ ጥራሕ እንተይኮነ ዘይብልካ እውን ብሓባር ተማቒልካ ተሓላሊኻ ምስጓም ተጀሚሩ ኣሎ፡፡ ኣብ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ብቛንቋን ብባህልን ዝተኣሳሰሩ ናይ ነዊሕ ታሪኽ ኣመፃፅኣ ዘለዎም ህዝብታት ምዃኖም እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ሰላም ዕዱል ተጠቒምና ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ርክብ ናብ ንቡር ንምምላስ ካብ ዝሓለፈ ፅቡቕን ሕማቕን ታሪኽና ተማሂርና ቀፃሊ ጉዕዞን ሰናይ ጊዜን ሓቢርና ክንሰርሕ ይግበእ፡፡ ዝሓለፈ ጊዜ ክንከሓሕስ ማዕዶ ማዕዶ ዝነበረ ዓቕምታትና ኣዋዲድና ክነረባረብ፤ ኩላህና እጃምና ክነልዕል ጉባኤና እውን ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ሓዱሽ ምዕራፍ ዘጠናኽሩ ውሳነታት ከም ዝውስን እምነተይ ዓብይ እዩ ፡፡
ጉባኤና ኣብ ዝተፈለ ታሪኽ ዝካየድ ዘሎ እዩ፡፡ ኣብ ጉዕዞ ሕዳሰና ናይ ባሉ ፍሉይ ታሪኽ ዘለዎ ናይ ለውጢ ጉባኤ እዩ፡፡ ኣብዚ ጉባኤ ካብ ሕሉፍ ተማሂርና ቀፃሊ ጉዕዞና ኣመዓራሪና ህዝብና ዝጠቅም ውሳነታት ዝውሰነሉ ኮይኑ ታሪኻዊ ብፅሒት ጉባኤና ዝልካዕ ኣብ ናይ ትግራይ ዲሞክራታይዜሽንን ትራንስፎርሜሽንን ጉዕዞ ዝገብሮ ኣስተዋፅኦን እዩ፡፡ በዚ መንፈስ ኩሉ ጉባኤተኛ ክውንነቱ ከረጋግፅን ግብኡ ክፍፅምን ይፅውዕ፡፡ ጉባኤና ህዝብና ዝፅበዮ ለውጢ ንኽመፅእ ናይ ባዕሉ ተራ ዝፃወት ኣንፈታትን ውሳነታትን ዝውስን ትርጉም ዘለዎ ሓዱሽ ኣመራርሓ ክመርፅ ትፅቢት ይግበር፡፡
ኣቱም ጉባኤተኛታት ንህዝብና ኢሎም ዝሓለፉ ብፆት ስውኣት ኣብዚ ጉባኤ ዳግም ምሳና ኣይርከቡን፡፡ ነንሕድሕድና ዝሓዝናዮ መርገፅን ንውስኖን ክዕዘቡና እዮም፡፡ በዚ ታኻዊ ጉባኤ ዝተራኸብና ሕድሕድና ሕድሪ ስውኣትና ከይዐዕበርና ንህዝብና ዝጠቅም ሃሳባትን ውሳነታትን ክነሕልፍ ዲና ወይስ ካሊእ ሸርሒ ክንሰርሕ? ኩሉ ሕድሪ ስውኣትና እንተይጠለመ ንህዝባና ዝጠቅም ንባዕሉ ዘየጣዕስ ታሪኽ ንምስራሕ ድልው ከምዝኾንኩም ጉባኤና ንምዝራግ ብየማንን ፀጋምን ዝግበር ዘሎ ወፍርን በለካ ለኽዐካን ንጎኒ ገዲፍኩም ኩሉ ቁዋምኩም ንህዝብን ህዝብን ጥራሕ ዝጠቅም ኣብ ክልልና ሓዱሽ ናይ ለውጢ ምዕራፍ ዘበስር ንሃገር አወንታዊ ኣስተዋፅኦ ዝገብር ዕውትን ታሪኻዊ ውሳነታት ከም እትውስኑ ይኣምን፡፡
ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ
“ምእንተ መጎጎ ትሕለፍ እዛ ኣንጭዋ” እናበልካ ክንደይ ፈኸራን ግፍዕን ተሸኪምካ ሳላ ናይ ቃልሲ ተሞክሮኻን ኣርሒቕካ ምሕሳብካን ንኹሉ ዝኸውን መልእኽቲ እናሕለፍካ ምምፃእኻን ዓወታት ኣመዝጊብካ ኢኻ፡፡ ሕዚ እውን ብትዕግስቲ መትከላዊ ቃልስኻ ቀፅለሉ፡፡ ጉባኤና ነቲ ዝጀመርካዮ ቃልሲ ዘሕይል ሽግር ህዝብና ብምፍታሕ ልዑል ተራ ዘለዎም ውሳነታት ከም ዝውስን ዓብይ እምነት ኣለኒ፡፡ ንስኻ እውን ከም ልማድካ ጉባኤና ክዕወት ድጋፍካ ቀፅለሉ ፡፡
ዝኸበርካ መናእሰይ ትግራይ
ኣቲናዮ ዘለና ፈታኒ ኩነታት ተገንዚብኩም፣ ክንደይ ፀገማት ተሸኪምኩምን ዘለዎ ሓደጋ ተረዲእኹምን ግቡእ ቃልሲ ክተካይዱ ፀኒሕኹም ኢኹም፡፡ ሕዚ እውን ገና ሃገርና ኣብ ሓደጋ ስለ ዘላ እተርእይዎ ዘሎኹም ተገዳስነት፣ጥንቃቐን ተቓላሳይነትን ኣጠናኺርኩም ቀፅልሉ፡፡ ተጀሚሩ ዘሎ ጉዕዞ ህዳሰ ኣብ ዓወት ክተብፅሕዎ ክልልናን ሃገርናን ካብ ድኽነትን ድሕረትን ክናገፋ ናይ ባዕልኹም ታሪኽ ክትሰርሑ ጉባኤና ኩነታትኩም ብምግንዛብ ዘጋጥመኩም ሽግር ንምፍታሕ ዘኽእሉ ውሳነታት ንምውሳን ተዳሊና ንርከብ ፡፡
ህዝብታት ኢትዮጵያ ዝሓለፈ 27 ዓመት ፌዴራላዊት ዲሞክራሲያዊት ሃገር ብምምስራት ህዝቢ ባዕሉ ንባዕሉ ዝመሓደረሉ ስርዓት ብምፍጣር ከባቢኡ ዘልምዐሉ ኣብቲ ልምዓት እውን በቢ ደረጅኡ ተጠቃሚ ዝኾነሉ ኩነታት ተፈጢሩ ሃገርና ኣብ ስሉጥ ልምዓትን ምዕባለን ትርከብ ተስፋ ዘለዋ ካልኦት ዝምነይዋ ሃገር ኮይና እያ፡፡ ይኹን እምበር ነቲ ዝተጀመረ ብሓባር ናይ ምምንባር መሰል ብምግሃስ መልክዑ ብሄር ምስ ብሄር ብምጉናፅን ደም ክፋሰስ ብምግባርን ድሕንነት ዜጋታት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ሃገርና ኣብ ህይወትን ንብረትን ብፍላይ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ኣብ ህይወትን ንብረትን ዝበፅሐ ጉድኣትን ንጉድኣት ዝበፅሖም ቤተሰብን ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተሰመዐና መሪር ሓዘን ክገልፅ ይፎቱ፡፡ ወንጀለኛታት ክሕተቱን ዝተመዛበሉ እግሪ ክተኽሉን ክግበር፤ ተመሳሳሊ ሓደጋ ከይፍጠር ልዕልነት ሕጊ ክኽበር ኩላህና እጃምና ነልዕል፡፡ ሕዚ እውን ከም ትማሊ ዝረኣዩ ሽግራትን ስግኣታታትን ፈቲሕና ህዳሰ ሃገርና ናብ ዝልዓለ ደረጃ ምዕባለ ንምብፃሕ ህወሓት ምስ ህዝቢ ትግራይ ከም ቀደሙ ተሪሩ ኣብ ጎንኹም ኮይኑ ክቃለስ ምስቶም ኣብ ሃርና ዘለው ሕገ- መንግስቲ ሃገርና ኣኽቢሮም ዝቃለሱ ኩሎም ውድባት እውን ተሓጋጊዝና ክንሰርሕ ምዃና ክገልፀልኩም ይፎቱ ፡፡
ኣብ መወዳእታ፤ ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ኣጠናኺርና ብምቕፃል ናይ ህዝብና ናይ ዲሞክራሲ ሰናይ ምምሕዳርን ልምዓትን ሽግራት ደረጃ ብደረጃ ክፍትሑ ዘኽእሉ ውሳነታት ጉባኤና ከምዝውስን ተስፋይ ዓብይ እዩ ፡፡ ሕዚ እውን ከም ቀደምና መስመር ውድብናን ሓድነት ህዝብናን ሒዝና ዘይንሰግሮ ሩባ የለን፡፡
ዓወት ንጉባኤ ንመበል 13ጉባኤ ህወሓት!
ውግንና ንህዝብን መስመርን እዩ!
ክብርን መጎስን ንስውኣትና!
የቐንየለይ ፡፡

Comments are closed.