መግለፂ ቕዋም መበል 13 ስሩዕ ጉባኤ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ

664

ህዝባውነተና መሰረት ፅንዓትናን ዓወትናን ብዝብል መረሕ ሓሳብን ጉባኤ ፅንዓትን ሓድነትን ንሕዳሰና ብዝብል ስያመን ካብ 16 ክሳብ 21 መስከረም 2011ዓ.ም ዝተኻየደ መበል 13 ስሩዕ ጉባኤ ህወሓት 346 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 1150 ተሳተፍቲ ብድምፂ፣ 45 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 146 ተሳተፍቲ ድማ በዘይድምፂ ከምኡ እውን 346 ተዓዘብቲ ብድምሩ 1842 ጉባኤተኛታት ዝተሳተፍሉ ኮይኑ ብዓወት ተዛዚሙ ኣሎ፡፡
እዚ ጉባኤ ፀብፃብ ኣሰናዳዊት ኮሚቴ ተመያይጡ ብምፅዳቕን ሓሙሽተ ኣባላት ፕሬዝድየም ብምምራፅን ስሩዕ ስርሑ ዝጀመረ ኮይኑ ፀብፃብ ማእኸላይ ኮሚቴ፣ ኣብ ሕሉፍ 27 ዓመታት ዝተመዝገቡ ኣንፀባረቅቲ ዓወታት ፀብፃብ ማእኸላይ ቁፅፅር ኮሚሽን፣ ምምሕያሽ ሕገ ደንብን መረፃ ማእኸላይ ኮሚቴን ብኣጀንዳ ኣፅዲቑ እዩ ናብ ዝርዝር ምይይጥ ዝኣተወ እንትኽውን ድሕሪ ሰፊሕ ዴሞክራሲያዊ ክትዕ
ዓለማዊ፣ ከባብያዊ፣ ሃገራዊን ክልላዊን ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ኩነታት ንሃገርናን ክልልናን ብዘለዎ ትርጉም ብዝግባእ ዝገምገመን ድሕሪ ሰፊሕ ምይይጥ ኣብቶም ዝተልዓሉ ዛዕባታት ዝሐሸ ምርድዳእ ዝተፈጥረሉን መበል 13 ጉባኤ ህወሓት ኣብ ድሕሪ ዳግም ብዑምቀት ምሕዳስ ዝተኻየደን ኣብ መንጎ ጉባኤተኛ ዝሐሸ ናይ ኣተሓሳስባ ሓደነት ዝተፈጥረሉን ኮይኑ ብዓወት ተዛዚሙ ኣሎ፡፡
መበል 13 ስሩዕ ጉባኤ ህወሓት ንውድብ ዳግም ብምጥንኻር ጠለብን ፃምእን ልምዓት፣ ዴሞክራሲን ሰናይ ምምሕዳርን ህዝቢ ትግራይ ብዝግባእ ንምርዋይ ዘኽእሉ ውሳነታት ዝተመሓላለፍሉ፣ ነዞም ውሳነታት ብዝሐሸ ብርኪ ከፈፅሙ ዘኽእሉ ኣመራርሐታት ዝተመረፅሉን ቀፀልቲ ኣንፈታት ዝተነፀርሉን ታሪኻዊ ጉባኤ እዩ፡፡
ተሳተፍቲ መበል 13 ስሩዕ ጉባኤ ህወሓት ኣብ ዝቐረቡ ኣጀንዳታት ብስፍሓት ብምምይያጥን ኣብ ሕድሕድ ኣጀንዳ ናይ ሓባር ኣረዳድኣ ብምጭባጥን ከምኡ ድማ ቀፅልቲ ኣንፈታት ብምንፃርን እንትዛዘም ዝስዕቡ ውሳነታትን መርገፅታትን ብምሓዝ እዩ፡፡
1. ስርዓት ወያናይ ዴሞክራሲ ምስ ኒዮ ሊበራልዝም ምትሕብባር ኣብዘኽእልዎ ኣጀንዳታት እናተደጋገፈ ኣፈላላይ ኣብዘለዎ ድማ በፅንዓትን ብብስለትን እናተቓለሰ ኣብ ግንባራት ፖለቲካ፣ ቁጠባ፣ ማሕበራዊን ዲፕሎማሲን ማሕበረሰብ ዓለም ዝመስከረሎም ለውጥታት ምምዝጋብ ዝኽኣለ ትኽክለኛን ዕዉትን መስመር እዩ፡፡
1.1 ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን ዓለም ካብ ሓደ ልዕለ ሓያል ሃገር ናብ ብዙሓት ኣማራፂ ኣተሓሳስባታትን ናይ ልምዓት ኣማራፅታትን ማእኸል እናተሸጋገረት ብምዃና ንስርዓት ወያናይ ዴሞክራሲ ዝሐሸን ዝበለፀን ዕድላት እናተኸፈትሉ እምበር ዕድላቱ እናፀበቡን እናተዓፀውን ከምዘይኮነ ጉባኤና ገምጊሙ እዩ ፡፡ ኣብዚ እዋን ዘድሊ ቁልፊ ጉዳይ እቶም ዝተኸፍቱ ዕድላት ብዝግባእ ብምጥቃም ዝሐሸ ለውጢ ብምምፃእ ረብሓ ህዝቢ ብዝበለፅ ዘረጋግፅን ፈተናታት ኣቐዲሙ እናርኣየን እናኣመተን ኣቐዲሙ መፍተሕታት ዘቐምጥን ንዘቐመጦም መፍትሕታት በልዑል ዲስፕልን ዘተግብርን ብቕዓት ዘለዎ ኣመራርሓ ብምዃኑ ህወሓት ንብቕዓትን ፅሬትን ኣመራርሓ ልዑል ቆላሕታ ሂቡ ክሰርሕ እዩ፡፡
2. ስርዓት ወያናይ ዴሞክራሲ ብሓደጋ ፅግዕተኛ ምብስባስ ኣብ ከቢድ ፈተና ጥሒሉ ይርከብ፡፡ ህወሓት ነዚ ሓደጋ ዝተቓልዐ መስመር ንምድሓን፣ ሕገ መንግስታዊ ፌዴራላዊ ስርዓትና ንምክልኻልን ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅን ምስ ኩሎም ዴሞክራሲያውያን ሓይልታት ብምዃን ካብኡ ዘበለ ኩሉ ዓይነት ኣስተዋፅኦ ክገብር እዩ፡፡
3. ዳግማይ ብዑምቀት ምህዳስ ውድብና በቲ ሓደ ገፅ ካብ ህዝቢ ዝተልዓለ ሓያል ድፍኢት ልምዓት፣ ዴሞክራስን ሰናይ ምምሕዳርን በቲ ካልእ መዳይ ድማ ህወሓት ካብ ዘለዎ ህዝባዊ ባህሪኡ ዝነቀለ ከምውድብ ጠለብን ባህጊን ህዝቢ ኣብ ምምላእ ፀገማት ይፍጠረሉ ኣለዉ ዝብሉ ዛዕባታት ብስፍሓት እናተልዓሉ ብምምፅኦም ተሃድሶ ህወሓት ክውላዕ ክኢሉ እዩ፡፡
3.1 እዚ ተሃድሶ ብመሰረቱ ፀገም ዝወለዶን ካብ ፀገም ንምውፃእ ብምሕሳብ ዝኣተናዮን ኮይኑ ህወሓት ንፀገማቱ በዘይንሕስያ ብምርኣዩን ንሕድሕድ ፀገም እውን ብዓል ዋና ክህልዎ ብምስርሑን ብኹሉ ዓይነት መለከዒ እንትምዘን ዕዉት ከምዝነበረ ተገምጊሙ እዩ፡፡ ኣብ እዋን ተሃድሶ ዝነበረ ስትራቴጂያዊ ግጥም ኣብ ሞንጎ ወያናይ ዴሞክራሲን ፅግዕተኛ ምብስባስን ከምዝኾነ ተሳተፍቲ እዚ ጉባኤ ብዝግባእ ዝተኣማመንሉ ቁምነገር ኮይኑ ብዓወት ወያናይ ዴሞክራሲ ዝተዛዘመ ምዃኑ ድማ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ እዩ፡፡
3.2 በዚ ተሃድሶ ዝተረጋገፁ መሰረታዊ ዓወታት (1) ኣብ ውሽጢ ህወሓት ልዕልነት ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ ምርግጋፁ፣ (2) ኣብ መርሕነት ህወሓት ናይ ኣተሓሳስባ ሓድነት ምጥንኻሩ፣ ከምኡ ድማ (3) ልዕሊ ዝኾነ ይኹን እዋን ድማ ተስፋን ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ዘጠናኸረ ተሃድሶ ብምዃኑ ተሃድሶ ህወሓት ዕውት ነይሩ፡፡
3.3 ተሃድሶ ህወሓት ብኣተሓሳስባ ደረጃ ምርድዳእ ዝተበፅሐሉን ናይ ኣተሓሳስበ ሓድነት ዝተፈጥረሉን ይኹን እምበር ናይ ህዝቢ ሕቶ ኣብ ምምላስን ኣብ መደባት ልምዓት፣ ዴሞክራሲን ሰናይ ምምሕዳርን ርኡይ ለውጢ ኣብ ምምፃእን ግን ቀፃሊ ርብርብ ዝሓትት ፈታኒ ውራይ እዩ፡፡
4. ከም ውድብ ካብ ፀረ ዴሞክራሲ ንምውፃእን ኣብዚ መዳይ ንድሕሪት ንዘይምምላስ ውሳነ ዝዓረፈሉ ጉዳይ ምዃኑን ድሕሪ ተሃድሶ እውን ብዙሕ ምምሕያሽ ዝተርኣየሉን ኮይኑ ሐዚ እውን ብርክት ዝበሉ ዘይተሰግሩ ፀገማት ስለዘለው ቀፃሊ ቃልሲ ዝሓትት ዕማም ምዃኑ ሓበራዊ ምርድዳእ ተበፅሕሉ ኣሎ፡፡
5. ኣብ ቀፃሊ ኣንፈታት እውን ሰፊሕ ምምይጥ ተገይሩ እቶም ዝተቐመጡ ኣንፈታት ብምትግባር ኣብ ትግራይ ርኡይ ለውጢ ምርግጋፅ ከምዝክኣልን ኣብ ከይዲ ኣፈፃፅማ ድማ በብርኩ ዘሎ ኣመራርሓ፣ ኣባልን ህዝብን ብዝተወደበ መልክዑ ርብርብ ክገብር ከምዝግብኦን ሓበራዊ ኣረዳድኣ ተታሒዙ ኣሎ፡፡ ህወሓት ሕልፊ ሰሪሑ ንህዝቡ ንምኽሓስ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን እዋን ድሉው ከምዝኾነ ድማ ኣብዚ ጉባኤ ዳግም ኣረጋጊፁ ኣሎ፡፡

5.1 ኣብ ቁጠባዊን ማሕበራዊ ዘፈራት ትራንስፎርሜሽን ንምርግጋፅ ፍሉይ ርብርብ ክግበር እዩ፡፡
5.2 ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ንኢንቨስትመንት ምችው ዝኾነ ኩነታት ንምፍጣር ብፍሉይ ትኹረት ክስራሕ እዩ፡፡ ንኢንቨስትመንት ዝዕንቅፉ ኣሰራርሓታትን ድሑራት ዝንባለታትን ብምእላይ ሰብሃፍቲ ብዝሐሸ ኩነታት ኣብ ትግራይ ዝዋፈርሉ ዕድል ንምፍጣር ዝተጀመረ ስራሕ ንምጥንኻርን ኣብዚ መዳይ ዝሐሸ ዓወት ንምምዝጋብን ልዑል ርብርብ ክግበር እዩ፡፡
5.3 ናይ ኣመራርሓ ምትኽኻእ ሐዚ እውን ተጠናኺሩ ዝቕፅል እንትኾን ምሁራት መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ብስፍሓት ንምስታፍ ፍሉይ ትኹረት ተዋሂቡዎ ክስራሕ እዩ፡፡
5.4 ኣወፋፍራን ኣመዳድባን ኣመራርሓ ዝምልከት ድማ ንትግራይ ቀዳምነት ዝህብ ኣወፋፍራን ኣመዳድባ ተጠናኺሩ ክቅፅል እዩ፡፡ ፍሉይ ቆላሕታን ትኹረትን ንትግራይ ብምሃብ ንህዝቢ ትግራይ ብልምዓት፣ ዴሞክራሲን ሰናይ ምምሕዳርን ንምኽሓስ ቀፃልነት ዘለዎ ርብርብ ክግበር እዩ፡፡
5.5 ትግራይ ከምብሓዱሽ ብምውዳብ ዝልዓለ ለውጢ ንምርግጋፅ ልዑል ትኹረት ተዋሂብዎ ዝፍፀም መደብ እዩ፡፡ ከባብታትን ትካላትን ትግራይ ከምብሓዱሽ ንምውዳብ ዘኽእል ዝርዝር ፅንዓት ብምክያድ ከባብታት ብዘለወን ሃፍተ ገነት፤ ትካላት ድማ ዝበለፀ ውፅኢታዊ ብዝኾናሉ ኣግባብ ዳግም ክውድባ እየን፡፡ ኣብዚ ከይዲ ደግም ውዳበ ኮሪደራት ልምዓት ምዕራብ፣ መቐለን ራያን ፍሉይ ጠመተ ክውሃቦም እዩ፡፡
5.6 ኣብ ስራሕቲ ውድብን መንግስትን ዝርኣዩ ምትሕውዋሳት መልክዕ ንምትሓዝ ክስራሕ እዩ፡፡
5.7 ኣብ ውሽጢ ውድብን መሓውር መንግስትን ዴሞክራሲ ብምስፋሕን ብምዕሟቕን ህዝቢ ብዝበለፀ ዝሳተፈሉን ዝርብሐሉን ኩነታት ንምፈጣር ብቐፃልነት ክስራሕ እዩ፡፡ እዚ መሰረት ብምግባር ኣብያት ምኽሪ፣ ሚድያን ውዳበታት ሓፋሽን ናፅነተን ሓልየን ኣብ ምዕሟቕ ዴሞክራሲ ክዋስኣ ፍሉይ ትኹረት ሂብና ክንሰርሕ ኢና፡፡
5.8 ተሳትፎን ተጠቃማይነትን መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ናብ ዝሐሸ ብርኪ ንምብፃሕ ፍሉይ ጠመተ ተዋሂብዎ ክስራሕ እዩ፡፡
6. ርክባት ኢትዮ ኤርትራ ናብ ንቡር ቦትኡ ንምምላስ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዮም፡፡
6.1 ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ናብ ንቡር ቦትኡ ብምምላስ ናይ ክልቲኦም ህዝብታት መሰረታዊ ረብሓ ንምርግጋፅ ብዙሕ ርሕቐት ምኻድ ከምዘድልን ብዙሕ ብልሕን ጥንቃቐን ዝሓትት ተግባር ከምዝኾነን ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ብዝግባእ ይርድኡ እዮም፡፡
6.2 ሰላም ንምርግጋፅ ዝጠቕሙ መንገድታት ብሙሉኦም ብምትግባር ሕውነትን ምሕዝነትን ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ናብ ንቡር ቦትኡ ንምምላስ ካባና ዝድለ ኩሉ ዓይነት ስራሕ ልዑል ሓላፍነት ወስድና ክንዓምም ኢና፡፡
6.3 ኣብዚ ከይዲ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን መስርሕ ሰላም ካብ ዘተዓናቕፉ ተግባራት ፍፁም ነፃ ኮይኖም ንክንቀሳቐሱ ሙሉእ ሓላፍነት ወሲዶም ክሰርሑ እዮም፡፡
6.4 ዝተጀመረ ርክባት ህዝቢ ንህዝቢ ዝያዳ ብምጥንኻር ቁጠባዊ ርክባት ንምፍጣርን ተረባሓይነት ክልቲኡ ህዝቢ ንምርግጋፅን ህወሓት ኣበርቲዑ ክሰርሕ እዩ፡፡
7. ህወሓት ሕገ መንግስታዊ ፌዴራል ስርዓት ሃገርና ኣኽቢረም ብሰላማዊን ሕጋዊን መንገዲ ምስ ዝቃለሱ ፖለቲካዊ ውድባት ተቐራሪቡ ክሰርሕ እዩ፡፡
8. ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈላለዩ በደላትን ጠቐነታትን እናተፈፀሙዎን ብርክት ዝብሉ ሕቶታት ልምዓት፣ ዴሞክራሲን ሰናይ ምምሕዳርን እናሃለዉዎን እውን ብሓደ ወገን ኣብ ነዊሕ መዋእል ታሪኹ ብዝወነኖ ዘኹርዕ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ብስለትን በቲ ካልእ መዳይ ድማ ኣብ ውድቡ ህወሓት ብዘለዎ እምነትን ተስፋን ንዘረኣዮ ንምእማኑ ዘፀግም ፍፁም ዓቕሊን መስተውዓላይነትን ህወሓት ዘለዎ ልዑል ክብሪን ናእዳን ይገልፅ፡፡
9. ኢህወዴግን ኣሓት ውድባትን ካብ ሓደጋ ፅግዕተኛ ምብስባስ ንምድሓን ዝገብርዎ ቃልሲ ብምጥንኻር ልዕልነት ወያናይ ዴሞክራሲ ንምርግጋፅ በርቲዖም ክሰርሑ ይግባእ፡፡ ልዕልነት ወያናይ ዴሞክራሲ ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ርብርብ ህወሓት ካብኡ ዘድሊ ኩሉ ዓይነት ቃልስ ንምክያድ ድሉው ምዃኑ እውን የረጋግፅ፡፡
10. ኣብ መወዳእታ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሃገርና ልዕልነት ሕገ መንግስታዊ ፌዴራላዊ ስርዓትና ከይሸራረፍ ብፅንዓት ጠጠው ንክብሉን ልዕልነት ሕጊ ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ አጋጣምታት እንትፍጠሩ ድማ ብፅንዓት ንክቃለሱን ህወሓት ፃውዒቱ እናቀረበ ልዕልነት ሕጊ ንምኽባር ኣብ ዘካይዱዎ ቃልሲ ህወሓት ሙሉእ ድጋፍ ከምዝገብር እውን በዚ ኣጋጣሚ ከረጋግፅ ይደሊ፡፡
ዘልኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንሰማእታትና!!
21 መስከረም 2011ዓ.ም

Comments are closed.