ህንፀት ፋብሪካ ሽኮር ወልቃይት 71 ሚኢታዊ በፂሑ

517

ብ2004 ዓ.ም ህንፀቱ ዝጅመረ ፋብሪካ ሽኮር ወልቃይት ኣብዚ ሐዚ እዋን 71 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

ንሓፈሻዊ ከይዲ ህንፀቱ 50 ቢሊየን ብር ዝተመደበሉ እቲ ፕሮጀክት፥ ጎድና ጎድኒ ቀዳማይ ምዕራፍ ህንፀቱ ካልኣይ ምዕራፍ ህንፀቱ እውን ይሳለጥ ኣሎ።

ምክትል ሓላፊ እቲ ፕሮጀክት ኣይተ ሃይለ ገብረመድህን፥ ህንፀት ቀዳማይ ምዕራፍ እቲ ፋብሪካ 82 ሚኢታዊ ከምዝበፀሐ ገሊፆም።

እቲ ካልኣይ ምዕራፍ ድማ 46 ሚኢታዊ ህንፀቱ ተዛዚሙ ኢሎም።

ቀዳማይ ምዕራፍ ህንፀት እቲ ፋብሪካ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2011 ዓ.ም ፈተነ ምፍራይ ምህርቲ ከምዝጅምር እውን ኣብሪሆም።

ኣብ ሓደ መዓልቲ 12 ሽሕ ቶን ቃንጫ(ኣገዳ) ሽኮር ናይ ምጥሓን ዓቕሚ ክህልዎ እዩ እውን ኢሎም።

ስለዝኾነ ነቲ ፋብሪካ እታወት ኮይኑ ዘገልግል ቃንጫ ንምልማዕ 50 ሽሕ ሄክታር መሬት ዝተዳለወ እንትኸውን፥ ይኹን እምበር ኣብዚ ሐዚ እዋን እቲ 10 ሽሕ ሄክታር ጥራሕ ይለምዕ ምህላዉ ኣይተ ሃይለ ሓቢሮም።

መበገሲ ምኽንያት ድማ፥ ነቲ ፋብሪካ እታወት ዝኸውን ቃንጫ ንምልማዕ ዝተሃነፀ ግድብ ዛሬማ ሜይደይ ማይ ንምሓዝ (ንምምላእ) ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ስለ ዝወስደሉ እዩ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ንጊዚኡ ካብ ተከዘን ቃሌማን ብ“ፓምፕ” ማይ ይስሓብ ምህላዉ ብምግላፅ፥ በቲ ሜላ ን50 ሽሕ ሄክታር ምጥቃም ንዘይተደለየ ወፃኢ ስለዘሳጥሕ ነቲ ፈተነ ዝውዕል 10 ሽሕ ሄክታር ቃንጫ ጥራሕ ንግዚኡ ንምልማዕ ከምዝተደለየ ገሊፆም።

ብ“መከላከያ ኮንስትራክሽን”ን ብሩህ ተስፋን ከይዲ ህንፀቱ ይሳለጥ ዝነበረ ፋብሪካ ሽኮር ወልቃይት ኣብዚ ሐዚ እዋን ብቻይናዊ ትካል ይሳለጥ ይሳለጥ ከምዘሎ እውን ኣብሪሆም።

ኣይተ ሃይለ ከምዝብልዎ፥ ጎድና ጎድኒ ህንፀት እቲ ፋብሪካ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ንምስላጥ ቀንዲ ዕማም እዚ ዓመት ኮይኑ ናብ ስራሕ ተኣትዩ ኣሎ።

ብተወሳኺ ማሽነሪታት ንምትካል ኣብ ምርብራብ ከም ዝርከብ እውን ገሊፆም።

እቲ ፕሮጀክት ክሳብ ሐዚ ን1 ሺሕ ዜጋታት ብቀዋምን ጊዚያዊ ዕድል ስራሕ ዝፈጠረሎም እንትኸውን፥ ሙሉእ ብሙሉእ ህንፀቱ እንትዛዘም ካብ 50 ክሳብ 60 ሽሕ ወገናት ዕድል ስራሕ ክክረኽቡ እዮም።
FBC Tigrigna

Comments are closed.