ሕቶ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን’ምበር ሕቶ መንነት የብልናን

555

ሎሚ ዕለት 09/03/11 ዓ/ም ህዝቢ ድሙቅ ሰለማዊ ሰልፊ የሳልጥ አሎ።
“ህዝቢ ራያ ሕቶ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን እምበር ሕቶ መንነት የብልናን” ብዝብል መሪሕ ቴማ ተዓጂቡ አብ ምፅምባል ይርከብ።
ሰልፈኛታት ንኹሎም ብሄር ተኮር መጥቃዕትን ህዝቢ የሻል ንምባል ዝግበር ዝተዋደደ ሸርሕታት ብፅንዓት ከምዝቃለሶምን ፤ ንህዝቢ ትግራይ ምንብርካኽ ትማሊ ተሓሲቡ ተደርዒሙ፤ ሎሚ እዉን ፈሺሉ ፅባሕ ድማ ዳግም ብዘየንሳእርረሉ ክዳዓኽ እዩ። ህዝቢ ዝኣመነ ይዕወት።ዉድቀት ንፀረ ህዝቢ።መሬት ራያ ንሸቃጦን ዕሱባትን ረመፅ እያ። ህዝቢ ራያ ብመስዋእቱ ዘረጋገፆ ናፅነት ኣሕሊፉ ኣይህብን። ሰላም ልምዓትን ዴሞክራስን እምበር ህዉከትን ዕግርግርን ኣይንደልን።ሕቶ ልምዓት እምበር ሕቶ መንነት የብልናን።ብደምናን ኣዕፅምትናን ዝተረጋገፀ መንነትና ንመድሐርሐርትን ተስፋሕፋሕትን ኣሕሊፍና ኣይንህብን ክብል ድምፁ ከም እምነ ዓረ ብዝፀንዐ ሕብረቱ የጋዉሕ ኣሎ።

Comments are closed.