ጋንታ ስሑል ሽረ ናብ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ተፀንቢራ

541

ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ስሑል ሽረ ንጋንታ ጂማ ኣባ ብምርታዕ ናብ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ተፀንቢራ።

እቲ ፀወታ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ስታዲየም ሃዋሳ ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ጋንታ ስሑል ሽረ 2ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ብምርታዕ ኣብ ዓመተ 2011 ናብ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ መበል ሳልሰይቲ ኮይና ምፅንባራ ኣረጋጊፃ ኣላ።

እታ ጋንታ ኣብ 2005 ዓ.ም ዝተጣየሸት እንትትከውን ናብ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ እንትትፅምበር ንመፈለምታ እዋን ኢዩ።

ኣብ 2010 ዓ.ም ካብ ትግራይ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ መቐለ ከተማን ወልዋሎን ናብ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ምፅንባረን ይዝከር።

ብመሰረት እዚ ኣብ 2011 ዓ.ም ደደቢት ሓዊሱ ንትግራይ ዝውክላ ኣርባዕተ ጋንታታት ኣብ ፕሪምየር ሊግ ክሳተፋ እየን።

Comments are closed.