ዓመታዊ ዝሳለጥ ዉድድር ዓብዩ ጉያ ናትና ወጋገን ኣብ ከተማ መቐለ ተሳሊጡ

741

እቲ ኣብ ከተማ መቐለ ሎሚ ሰንበት ብኣሰናዳእነት “ናትና ስፖርት ኤቨንትስ” ዝተሳለጠ ዉድድር ዓብዩ ጉያ ጎደና 10 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝሸፈነ ኮይኑ ነበርቲ ከተማ መቐለ ን ከባቢኣን ተሳቲፎምሉ እዮም::

ኣብቲ ዉድድር ብደቂ ተባዕትዮ ሓጎስ ገብረሂወት ካብ ጋንታ መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጅነሪንግ ቐዳማይ ኮይኑ እንትዕወት ሰለሞን በሪሁ ካብ ጋንታ ትራንስ ኢትዮጵያ ን ፀጋይ ኪዳኑ ካብ ጋንታ መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጅነሪንግ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ብምሓዝ ዉድድሮም ዛዚሞም እዮም::

ብተመሳሳሊ ብደቂ ኣነስትዮ ድማ የሺ በላይ ብዉልቀ ቐዳማይ ኮይና ዉድድራ ክትዛዝም እንከላ ፎትየን ተስፋይ ካብ ጋንታ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ካልኣይቲ ፅገ ገብረስላሰ ካብ ጋንታ ትራንስ ኢትዮጵያ ሳልሳይቲ ብምኳን ዉድድረን ዛዚመን::

ንተዓወቲ ብክልቲኡ ፆታ ንቐዳማይ ደረጃ 50 ሽሕ ብር ንካልኣይ ደረጃ 30 ሽሕ ብር ንሳልሳይ ደረጃ ድማ 20 ሽሕ ብር ሽልማት ገንዘብ ተበርኪትሎም እዩ::

2 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝሸፈነ ዉድድር ህፃናት ዉን ተሳሊጡ ንተዓወቲ ዝተፈላለዩ ሽልማት ተበርኪትሎም እዩ::

ብኣትሌት ገብረእግዛብሄር ገብረማርያምን በዓልቲ ገዝኡ ወርቅነሽ ኪዳነን ዝምራሕ “ናትና ስፖርት ኤቨንትስ” ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2009 ዓ.ም’ዉን ብተመሳሳሊ ዉድድር ዓብዩ ጉያ ኣብ ከተማ መቐለ አሳሊጡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ::

ክብሮም ተስፋይ

Comments are closed.