ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ሞትን ምምዝባልን ዜጋታት ህፁፅ ፍታሕ ይገበረሉ-ኢሶዴፓ

163

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ሞትን ምምዝባልን ዜጋታት ህፁፅ  ፍታሕ ይገበረሎ ክብል ፓርጀቲ ሶሻል ዴሞክራቲክ ኢትዮጵያ(ኢሶዴፓ) ፃውዒት ኣኽሪቡ።

ሓለፍቲ እቲ ፓርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ዛዕባታት ብምድሃብ መግለፂ ሂቦም።

ፕሬዚዳንት ኢሶዶፓ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ፥ ካብ ትውልዲ ከባቢኦም ርሒቖም ዝነብሩ ዜጋታት መሰሎም ዘይምኽባሩ ሓድነትን ሉኣላውነትን ኢትዮጵያ  ዝፈታተን ዘሎ ጉዳይ’ዩ ክብሉ ኣጠንቂቖም።

ኣብ’ዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርአ ዘሎ ተግባር “ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝመረፅዎ ቦታ ተዘዋዊሮም ክነብሩ፣ ሃብትን ንብረትን ከፍሪዩ ይኽእሉ ኢዮም” ዝብል ሕገ-መንግስታዊ ድንጋገ ዝጥሕስ ኢዩ ዝበሉ ፕሮፌሴር በየነ፥ እዚ ተግባር ዘላቒ ፍታሕ ክግበረሉ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

“ካብ ክልልና ውፅኡ” ብዝብል ዝፍፀም ኢ- ሕገ መንግስታዊ ተግባር ምኽንያት ሞት፣ ዕንወት ንብረት፣ ምምዝባልን ስደትን ዘስዕብ ዘሎ ዘሕፍርን ዘሕዝንን ተግባር ምዃኑ እውን እቶም ፕሮፌሴር ተዛሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዝህብዎ ዘለው ተስፋ፣ ዝወስድዎ ዘለው ሃናፂ ስጉምትን ምስ ማሕበረሰብ ዲያስፓራ ብምዝርራብ ዝፈጠርዎ ምቅርራብ ዘተባብዕ ጅማሮ ምዃኑ ዝገለፁ ፕሮፌሰር በየነ፥ ይኹን’ምበር ንውስናት ብሄራት ዒላማ ብምግባር ዘጋጥሙ ዘለዉ ጎንፂታት፣ ስራሕ ዝሰኣኑ መናእሰይ ብምትእኽኻብን ብምውዳብን ዝፍፀሙ ዘለዉ መጥቃዕቲታት ብህፁፅ ጠጠው ንክብል ዘይምግባር ግቡኡ ኣይኮነን ኢሎም።

ብፍላይ ምስ ኣዋሳኒን ብርኪ ምምሕዳር ብሄርን ተተሓሒዙ ዝለዓሉ ሕቶታት ሕገመንግስቲ ፌዴሪኢ መሰረት ብምግባር ዕልባት ክወሃቦም ከምዝግባእ ድማ ገሊፆም።

ፍልፍል፦ ግዜኢ

Comments are closed.