ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣስመራ ብዕሊ ተኸፊቱ

443

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣስመራ ብዕሊ ብምኽፋት ስርሑ ጀሚሩ።

ኣብ ስነ-ስርዓት ምኽፋት እቲ ኤምባሲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁን ሓዊሱ ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ካልኦት ሰብ መዚ መንግስቲ ኤርትራን ተረኺቦም ኢዮም።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝኽፈት ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብኣምባሳደርነት ዝተመደቡ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ምዃኖም ይዝከር።

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2010 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተኸፈተ ዝዝከር ኢዩ።

 

Comments are closed.