ኣሜሪካን ፈረንሳይን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነበረ ማዕቀብ ክለዓል ፃዕሪ ክገብራ ሓደ ዲፕሎማት ኣሜሪካ ፀዊዖም

632

መቐለ ነሓሰ 29/2010(ድወት) ሃገራት ኣሜሪካን ፈረንሳይን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሮ ማዕቀብ ንክልዓል ፅዕንቶ ክፈጥራ ይግባእ ኢሎም ነበር ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣሜሪካ ሄርመን ኮሄን።

እቶም ነበር ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣሜሪካ ከምዝበልዎ ኣሜሪካን ፈረንሳይን ንረብሓ ኢንቨስትመንት እተን ሃገራት ክብላ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሮ ማዕቀብ ክልዓል ሓገዝ ክገብራ ይግባእ።

2ቲኤን ሃገራት ብሰንኪ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሮ ቁጠባዊ ማዕቀብ ዝለዓለ ዕድል ኢንቨስትመንት ኣምሊጥወን እዩ ዝበሉ እቶም ዲፕሎማት ሐዚ ድማ ኤርትራ ምስ ሩስያ ዝጀመረቶ ስምምዕነት ንግዲ ፅልዋ ከይሕድረለን ክቀላጠፋ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ኣፍሪካ ኒውስ ከምዝፀብፀቦ ኤርትራን ሩስያን ሐዚ ብዝጀመረኦ ርክብ ቁጠባን ኢንቨስትመንትን ሩስያ ኣብ ኤርትራ ወደብ ንምህናፅ ጉጅለ ልኡክ ከምዘልኣት ገሊፁ።

ኤርትራ ካብ 2009ዓ.ም.ፈ ኣብ ዝተፈላለዩ ማዕቀባት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከምዘላ ይፍለጥ።

Comments are closed.