ኣብ 2010 ኣብዛ ሀገር ዝነበረ ቅልውላው አብቲ ንቕበሎ ዘለና ሓዱሽ ዓመት ንክሃድእን ኢህወደግ ከም ግንባር ንክቕፅልን እንተኾይኑ ሙሉእ ብሙሉእ ዝተሃደሰ ኢህወደግ ክፍጠር ኣለዎ-ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ህወሓት/ኢህወደግ ኣይተ ጌታቸው ረዳ

299

ኣብ 2010 ኣብዛ ሀገር ዝነበረ ቅልውላው አብቲ ንቕበሎ ዘለና ሓዱሽ ዓመት ንክሃድእን ኢህወደግ ከም ግንባር ንክቕፅልን እንተኾይኑ ሙሉእ ብሙሉእ ዝተሃደሰ ኢህወደግ ክፍጠር ኣለዎ-ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ህወሓት/ኢህወደግ ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2010 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ 2010 ኣብዛ ሀገር ዝነበረ ቅልውላው አብቲ ንቕበሎ ዘለና ሓዱሽ ዓመት ንክሃድእን ኢህወደግ ከም ግንባር ንክቕፅልን እንተኾይኑ ሙሉእ ብሙሉእ ዝተሃደሰ ኢህወደግ ክፍጠር ኣለዎ ኢሎም ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ህወሓት/ኢህወደግ ኣይተ ጌታቸው ረዳ::

ጣብያና ምስ ኣይተ ጌታቸው ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት ወግዒ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኢህወደግ ኮነ እዛ ሃገር ኣብ ቀራና መንገዲ እዮም ዝርከቡ ኢሎም::

ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተን ሰለስተን ዓመታት ብሓፈሻ ኣብዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመት ድማ ብፍላይ ኣብዛ ሃገር ዝተፈጠሩ ቅልውላዋት ሕቶ ህዝቢ ምምላስ ዘይክእልን ንስልጣኑ ጥራሕ ዝሓስብን ኣመራርሓ ዝፈጠሮም ምዃኑ ኢህወደግ ምግምጋሙ ኣዘኻኺሮም::

በዚ ድማ ኩለን ኣባል ውድባት ንባዕለን ንክሕደሳ ብመሰረት ዝተቀመጠ ኣንፈት ህወሓት ንካልኦት ኣሓት ውድባት ኣብነት ዝኸውን ገምጋም ኣካይዱ እዩ ኢሎም ኣይተ ጌታቸው::

ብመሰረት ዘቀመጦ ኣንፈት ድማ ንህዝቢ ትግራይ ዘንፀርፀሩ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳርን ፍትሕን ንምምላስን ቁጠባዊ ዕብየት ንምምዝጋብን ተዳልዩ ይርከብ ኢሎም::

ኢህወደግ ለውጢ ኣመራርሓ ድሕሪ ምግባሩ እቶም ዝነበሩ ህውከታትን ዕግርግራትን ክቅፅሉን ሃገር ኣብ ሓደጋ ክትወድቅን ዝገበረ ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2010 ዓ.ም ብመሰረት ዘቀመጦ ኣንፈት ኢህወደግ ሙሉእ ብሙሉእ ዘይምህዳሱ እዩ ኢሎም::

ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ኣብ ዘሎ መሓውር ዘሎ ኣካል ህዝባዊነት ሃልይዎ ንሕቶ ህዝቢ ዝምልስ መሪሕነት ብምዕራፍ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳርን ስእነት ስራሕን ንምፍታሕ ክፅዕር ከምዝግባእ ተዛሪቦም::

መናእሰይ ናብ ህውከትን ዕግርግርን ዘምረሐ ፀገም ስእነት ስራሕን ሰናይ ምምሕዳርን ክሳብ ዘይተመለሰ ብሚልየን ንዝቁፀሩ ዜጋታት ምምዝባል ምክንያት ዝኮነ ህውከት ዘይምቅፃሉ ውሕስና የለን ኢሎም::

ኣብ ክንዲ መናእሰይ ስራሕ ክፍጠረሎም ምግባር ብጉግይ ኣረኣእያ ሕቶ መንነት እናልዐለ መናእሰይ ናብ ዘይተደለየ ስምዒት ብምእታው ኣብ ህውከትን ዕግርግርን ንክኣትዉ ዝገብር ኣመራርሓ ንባዕሉ ተዘይተሃዲሱን ተዘይተለዊጡን እዛ ሃገር ኮነት ኢህወደግ ካብ ስግኣት ኣይወፁን ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ሐዚ እውን ተስፋ እዛ ሃገርን ኢህወደግን ኣብ ዝተጀመረ ዓሚቅ ተሃድሶ ምቕፃልን ናብ ተግባር ምሽራፍን እዩ ዘሎ ኢሎም::

ብዮናታን ግዛቸው

Comments are closed.