ታሪኽና ታሪኽ ወያነ! (Dimtsi Wyane ትግርኛ)

1,108

ቀዳማይ ወያነ ኣብ ታሪክ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝተርኣዩ ዓበይቲ ምዕራፋት ታሪኽ እቲ ሓደ እዩ። ቅድሚ 75 ዓመታት ወርሒ ጷጉሜን ተወሊዑ።

ታሪኽ ቀዳማይ ወያነ ክዝከር ኣለዎ።

ታሪኽ ቀዳማይ ወያነ ክዝከር ዘለዎ ቀዳሞት ወለዲ ንክብሪ ዓዶምን ህዝቦምን ዝከፈልዎ መስዋእቲ ክዝከር ስለዘለዎ ጥራይ ኣይኮነን።

ታሪኽ ቀዳማይ ወያነ ክዝከር ዘለዎ ጅግንነትን ጽንዓት ዕላማን ወለድና ንምርኣይን ካባኡ ንምምሃርን ስለዝሕግዝ ጥራይ ኣይኮነን።

ታሪክ ቀዳማይ ወያነ ክዝከር ዘለዎ ንምውላዕ ቀዳማይ ወያነ ምክንያት ዝኮነ ዓምጻጻይ መስፍናዊ ስርዓት ንምትንታን ጥራይ ኣይኮነን።

ታሪክ ቀዳማይ ወያነ ክዝከር ዘለዎ ቅድሚኦም ናይ ዝነበሩ ወለዶም ቅያን ሕላገትን ከይነጸፈ ከይተዓጽፈ ንስለምኻዱ መርኣያ ስለዝኾነ ጥራይ ኣይኮነን።

ታሪክ ቀዳማይ ወያነ ክዝከር ዘለዎ ንዚ ንምክልኻል ብግፍዓውያን መስፍናውያን ገዛእቲ ንዝበጽሐ እንኮላይ ብመምግስቲ እንግሊዝ ዝተሓገዘ ጨፍጫፍ ነፈርቲን ብዝተከልከለ መርዝን ዝትገበረ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ዝተዋደደ መጥቃዕቲ ንምኹናን ጥራይ ኣይኮነን።

ታሪክ ቀዳማይ ወያነ ክዝከር ዘለዎ ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ መረርቲ 100 ናይ መርገጽን ዓፈናን፣ ብሄራዊ ጭቆናን ደርባዊ ህስያን ዓመታት ሓመድ ልሒሱ ንክወጽእ ንዝሓገዘ ንካልኣይ ወያነ ብዝገበሮ ውርሻዊ ግደ ጥራይ ኣይኮነን።

ቀዳማይ ወያነ ክዝከር ዘለዎ ከም ወያነ ህዝቢ፡ ኣብ ሰሌዳ ታሪክ ህዝብና ክዝከር ስለዘለዎ ጥራይ ኣይኮነን።

ቀዳማይ ወያነ ክዝከር ዘለዎ፡
ሰኣን ሕብረት ተጋሩን ግቡእ መሪሕነትን ምብርዓኑን ጅግንነት ወለዲ ቀዳማይ ወያነ ዋላ ንግዚኡ እውን እንተኮነ ምፍሻሉን፡ እሞ ካብዚ ብምብጋስ ኣብ #ሕብረትን #ሓድንነትንተጋሩ እትፍጠር ንእሽቶ ነቓዕ ከመይ ከም ህዝቢ ከምእትጎድኣናን ንምምሃር እውን እዩ!

ወየንቲ ቀዳማይ ወያነ መርኣያ ጅግንነትን ትግራዋይ መንፈስን እዮም!

ክብሪ ንዐኦም!

ድምጺ ወያነ ትግራይ
ምንጪ ፅፁይ ሓበሬታ!

Comments are closed.