ልዕሊ 22ሽሕ መራሕቲ ስድራ ተረባሕቲ መድሕን ጥዕና ኮይኖም…

677

 ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ፀለምቲ 22ሽሕን 600 መራሕቲ ስድራ ተረባሕቲ ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ መድሕን ጥዕና ኮይኖም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሓለዋ ጥዕና ወረዳ ፀለምቲ ኣይተ ጉዕሽ ገዛኸኝ ከምዝገለፁዎ እቶም መራሕቲ ስድራ ኣብ ፕሮጀክት ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ መድሕን ጥዕና ምሕቛፎም ፍትሓዊ ግልጋሎት ሕክምና ክረኽቡ ዘኽእሎም ‘ዩ።

ኣብታ ወረዳ ትግበራ ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ መድሕን ጥዕና ካብ ዝጅመር ሓፂር ጊዜ ኳ እንተቑፀረ ዛጊድ ሽፋን ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ መድሕን ጥዕና እታ ወረዳ 73ሚኢታዊ በፂሑ ከምዘሎ ኣይተ ጉዕሽ ሓቢሮም።

ነዚ ናብ ዝበለፀ ሽፋን ንምስግጋር ሰፊሕን ዝተዋደደን ምርብራብ እንዳተገበረ ምዃኑ እቶም ሓላፊ ኣረዲኦም።

በዚ መዳይ ኣብ ሞንጎ ጣብያታት ዝተመጣጠነ ኣፈፃፅማ ንክህሉን ግንዛበ ሕ/ሰብ ኣብ ኣድላይነት ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ መድሕን ጥዕና ንምዕባይን ጠመተ ተዋሂቡ ይስራሕ ምህላዉ ኣይተ ጉዕሽ ተዛሪቦም።

Comments are closed.