ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ስሩዕ ኣኼብኡ ከካየድ’ዩ

347

ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ካብ ፅባሕ 4 መስከረም 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ስሩዕ ኣኼብኡ ከካየድ’ዩ።

ቤት ፅሕፈት ኢህወዴግ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፆ፥ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብብርኪ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ዝተገምገመን ነቲ ቤት ምኽሪ ንክቐርቡ ዝተወሰኑ ኣጀንዳታትን ኣተኲሩ ክዛተ ኢዩ።

ብተወሳኺ ኣብ ወርሒ መስከረም ንዝሳለጥ መበል 11 ስሩዕ ጉባኤ ኢህወዴግ ዝቐርበ ፀብፃብ ብዝምልከት እውን ዘተ ክገበር ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ካብ’ዚ ሓሊፉ ኣብ እዋናዊ ዛዕባ ሃገርን እቲ ውድብን ብዝምልከት ልዝብ ከምዝገብር ቤት ፅሕፈት ኢህወዴግ ኣብ ዝሃበና ሓበሬታ ገሊፁ።

Comments are closed.