ኣመራርሓ ዴምህት መቐለ ኣትዮም

729

(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣመራርሓ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ(ዴምህት) መቐለ ኣትዮም።

ኣመራርሓ ዴምህት ሎሚ ሸውዓተ መስከረም 2011 ዓ.ም ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሶም ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ መቐለ እንትኣትው ላዕለዎት ብኣመራርሓ ክልል ትግራይ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ መግለፂ ዝሃቡ ኣቦ መንበር ዴምህት ኣይተ መኮነን ተስፋይ፥ ውድቦም ንለውጢ፣ ፍትሕን ዴሞክራስን ህዝቢ ትግራይ ዕጥቃዊ ቃልሲ እናካየደ ከም ዝፀንሐ ሓቦሮም።

ኣብ ቀረባ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝገበሮ ፃውዒት ሰለማዊ ቃልሲ ከካይዱ ብምውሳን ናብ ዓዶም ከም ዝኣተዉ ድማ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ከም ፖለቲካዊ ፓርቲ ሰለማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንምክያድ ከምዝወሰነ ዝሓበሩ ኣይተ መኮነን፥ ኣብ ልዕል ኢትዮጵያውያን ዘርኢ መሰረት ዝገበረ ይካየድ ንዘሎ መጥቃዕቲ ከም ውድብ ዴምህት ዝኹንኑ ምዃኖም ድማ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ከምዚ ንዝበሉ ፀገማት ብትረት ከም ዝቃለሱ ተዛሪቦም።

ዴምህት፥ ምስ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ዴሞክራሲያውያን ሓይልታት ብምትሕብባር ንህዝብን ሃገርን ዝረብሕ ስራሕ ከም ዝሰርሕ እውን እቶም ኣቦ መንበር ኣገንዚቦም።

እቲ ግንባር ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ዝተወደበ ልዕሊ 2 ሺሕ ሰራዊት ዝነበሮ ምዃኑ እውን ካብ መብርሂ እቶም ኣቦ መንበር ንምግንዛብ ክኢልና ኣለና።

ንኣካላት ኣመራርሓ ዴምህት ኣቀባብላ ካብ ዝገበሩ ላዕለዎት ኣመራርሓ ትግራይ ሓላፊ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ኣይተ ነጋ ኣሰፋ ብግደኦም፥ ዴምህት በረኻ ወፂኡ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይድ ዝፀንሐ ውድብ እዩ ኢሎም።

ይኹን እምበር ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ውድብ ህወሓት ብሰለማዊ መገዲ ንዝቃለሱ ፃውዒት ምቕራቡ ድማ ኣዘካኺሮም።

ብመሰረት እቲ ፃውዒት ኣመራርሓ ዴምህት ምምፅኦም ንሰላምን ዴሞክራስን ህዝቢ ትግራይ ከምዝረብሕ ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ፥ ከምዚ ዓይነት ቃልሲ ህዝብን ውድብን ዝደልዮ ስለዝኾነ ሓቢርና ክንቃለስ ኢና ኢሎም።

Comments are closed.