ውድባዊ ጉባኤ ህ.ወ.ሓ.ት ካብ 16 መስከረም 2011 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ከተማ መቐለ

619

ውድባዊ ጉባኤ ህ.ወ.ሓ.ት ካብ 16 መስከረም 2011 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ከተማ መቐለ ከምዝሳለጥ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህወሓትን ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ህወሓት/ኢህወዴግ ብፃይ ኣለም ገ/ዋህድ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣፍሊጦም። ##እቲ ጉባኤ “ጉባኤ ፅንዓትን ሓድነትን ንሕዳሰና” ተባሂሉ ዝተሰየመን ኮይኑ “ህዝባዉነትና መሰረት ፅንዓትናን ዓወትናን” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቃል ከምዝሳለጥ ገሊፆም። ብዘይካ እዙይ ኣፍቲ ጉባኤ 1300 ጉባኤተኛታት ብድምፅን ብዘይድምፅን ዘሳትፍን ንዝተፈላለዩ ተዓዘብቲ ሓዊሱ ኣስታት 1650 ከምዝሳተፍሉ ገሊፆም። ኣይተ ኣለም ገ/ዋህድ ከምዝበልዎ ኣጀንዳታት እቲጉባኤ ዋላ እዉን ኣፍቲ ጉባኤ ዝዉሰን እንተኾነ ትፅቢት ዝግበረሎም ኣጀንዳታት ግና ኣብ መበል 12 ጉባኤ ክዕመሙ ዝተነፀሩ መደባትን ኣንፈታትን ኣፈፃፅመኦም ገምጊሙ ካብዚ ተበጊሱ እዉን ንቐፃሊ ኣገደስቲ ኣንፈት ዘቐምጥ ኮይኑ፤ ፀብፃብ ስራሕቲ ቑፅፅር ኮምሽን ፣ብዕምቆት ምስ መሕዳስን ሕሉፋት ገምጋምን ተኣሳሲሩ ቓልሲ ውሽጢ ዉድብ ንምምዕባልን ንምስፋሕን ምዕሟቕ ዴሞክራስን ዕንቅፋታት ንምእላይን ዘኽእል ምምሕያሽ ሕገ ደንቢ፣ ወድዓዉን ህልዉን ኩነታትን ነዚ ዝምጥንን ዝህሉ ኣንፈታት መቃለስን መደብን ህዝብን ዉድብን፣መረፃ መሪሕነት ኣቦመንበርን ምክትል ኣቦመንበርን ዉድብ፣ ኮሚቴ ፈፃሚት ስራሕን ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴን ኮምሽን ቑፅፅርን ካልኦትን እዮም። ##ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ ኣብ መግለፂኦም ቅድም ኢሉ ዝተጀመረ ከይዲ ምትኽኻእ ሎሚ እውን ብዝያዳ ንሙሁራት፣ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ልዑል ጠመተ ከምዝዋሃቦ ገለፁ እሞ እቲ ከይዲ ምትኽኻእ መስመር ዉድብን ህዝብን ንምቕፃል ከምዝኾነ ገሊፆም። ነዚ ንምግባር ዝኽእል ዓቕሚ፣ተወፋይነትን ዘይንቕነቕ እምነት ውድብ፣ መስመርን ህዝብን ዘለዎን ኣብ ግልፂ ረቋሒ ዝተመስረተ ንመስዋእቲ ድልዉ ዝኾነን እንዳተሃደሰን ብቐፃልነት እንዳማዕበለን ዝኸድ ሓዱሽ ሓይሊ ብስፍሓት ዝካተተሉን ነባር ዓቕሚ እዉን ዘካትትን ናይ ነባርን ሓዱሽ ትዉልድን ዘጎራርስ ክኾን እዩ ኢሎም። ##ብዘይካ እዙይ ኣይተ ኣለም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣብ ኣዝዩ ጥንኩርን ፈተንትን ኩነታት ባህልን ልምድን ዉድብ ጠንኪርካ ምዉፃእ እዩ። እዚ ዘግብር ህዝባዊ መስመር ስለዘለዎ እዩ። ##ስለዚ ብፈተናታት ዝስኮን ዉድብ ዘይኮነስ ኣብ ፈተንትን በዳህትን ኩነታት ገቢሉ ዝወፅእ እዩ፤ ሐዚ እውን ህያዉ መስመርና ኣብ ቦትኡ ኣሎ ክብሉ ገሊፆም። ##ኣብ መወዳእታ ዉድብ ህወሓት ኣብ ባሕሪ ተሃድሶ ፀርዩን ተፈቲኑን ዝወፀን ኣብ ቓልስን ሓድነትን ዝተመስረተ መሪሕነት ዝተፈጠረሉን ህዝብና እዉን ምስ ዉድቡ ስጡም ሓድነቱ ዝቐፀለሉን እዋን ንኹሎም ዓቕምታትና ወዲብና ብዝተፈለየ ትኹረት መሊስና ተጠናኺርና ንወፀሉ ግዘ እዩ ክብሉ ሓቢሮም።

Comments are closed.