ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊ ካብ ትግራይ ካብ ዝተፈላለያ ዉዳበታት መናእሰይ ኣመራርሓ ንዝተዉፃእፅኡ ልዕሊ 400 መናእሰይ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ዝዘልቕ ስልጠና ምሃብ ጀሚሩ።

1,512

ከም ኣገላልፃ ምክትል ዋና ዳይሬክተርን ሓላፊ ዘርፊ ስልጠና ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊ ብፃይ ሓዱሽ ዘነበ እዚ ካብ ዝተፈላለያ ዉዳበታት መናእሰይ ማለት ሊጋትን ማሕበራት መናአሰይ፤ ማሕበር ደቂ ስዋኣት ተጋደልቲ ትግራይን ንመናእሰይ ኣብ ምዉዳብን ምምራሕን ዝተዋፈሩ ካብ ጉዳይ መናእሰይን ዝተዉፃእፅኡ ልዕሊ 400 መናእሰይ መሪሕ ባእታታት ምስ ምዃኖም ተኣሳሲሩ ኣብ ኩለመዳይ ንጥፈታት ልምዓትን ዴሞክራስን፤ ተሳታፋይነትን ተጠቃማይነትን መናእሰይ ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ልዑል ኣበርክቶ ከምዝህልዎን፤ ናይ ኣመራርሓ ሳይንስን ጥበብን ዘዕብን ንመንእሰይ ንምምራሕ ዘኽእል ዓቕሚ ክብ ንምባልን ዉዳበታትን ማሕበራትን ኣብ ምጥንኻር ዝላዓለ ውፅኢት ኣብ ምርግጋፅ ሓጋዚ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣካዳሚ ብፃይ ጎበዛይ ወ/ኣረጋይ ብወገኑ ሰልጠንቲ መናእሰይ እንታይነትን ረብሓን ንሃንፆ ዘለና ስርዓትን ፈሊጦም ብቐፃልነት ኣብዝወፈርሉ ስራሕ ዉፅኢታዉያን ዘግብርን ብፍላይ ድማ ኣመራርሓ ጥበባትን ሳይንስን ተረዲኡ ዝዓጠቐን ንዉዳበታት መናእሰይ ዓቕሚ ንምፍጣር ዝዋሃብ ዘሎ ስልጠና እዩ ኢሉ።
ኣፍቲ ትማሊ ብመእተዊ ፈተና ብምሃብን ብስነስርዓት ኣቀባብላ ስልጠና ዝተጀመረ
# ሓፂር ታሪኽ ዉድብና ህወሓት
#መስመር ተሃድሶን ህዳሰ ሃገርናን
#ህንፀት ዴሞክራስያዊ ስርዓትን ፈተናታቱን
#ፅዕንቶ ናይ ቀለም ወያነን መቃለሲ ኣንፈትን
#ህንፀት ፌደራላዊ ስርዓትን ምርግጋፅን መትከላትን ዘላቒ ሰላም
#ወያናይ ዴሞክራስን ናይ ኣመራርሓ ሕቶን
#ሌጋሲን ክብርታትን መለስ ዜናዊ
#ግደ ኣመራርሓ መናእሰይ ኣብ ምዉጋድ ማሕበራዊ ጠንቅታት
#ፓኬጅ ልምዓትን ዕብየትን መናእሰይን
#ህልዉ ኩነታት ሃገርናን ተሃድሶ ዉድብናን ዝብሉን ካልኦትን ርእስታት ኣመልኪቱ እቲ ስልጠና ከምዝዋሃብ ተፈሊጡ።

Comments are closed.