መርከብ ኢትዮጵያ ድሕሪ 20 ዓመታት ሎሚ መዓልቲ ናብ ወደብ ምፅዋዕ ኣቲያ

መርከብ ኢትዮጵያ ድሕሪ 20 ዓመታት ናብ ወደብ ኤርትራ፣ ምፅዋዕ ሎሚ መዓልቲ ኣቲያ።

እታ “መቐለ” ዝብል ስያመ ዘለዋ መርከብ፥ 110 ሺሕ ኩንታል ፅዕነት ኤርትራ ብምሓዝ ናብ ቻይና ከምእትጓዓዝ እውን ተሓቢሩ።

ትካል ኣገልግሎት መጓዓዚያን ሎጅስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ከምዘስፈሮ፥ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ፅዕነት ብድምር 618 ሺሕን 825 ዶላር ኣሜሪካ ከምዝኸፍል እውን ተሓቢሩ።

ኢትዮጵያ 12 ንብረት ዝፅዕናን ክልተ ኮንተይነራት ዝፅዕናን ብድምር 14 መራኽብ ዘለዋኣ እንትትከውን፥ እተን መራኽብ ካብ መንግስቲ ቻይና ብልቓሕ ዝተረኸባ ኢየን።

ኩለን መራኽብ ድማ ኣብ ሕድሕድ ክልላትን ምምሕዳራት ከተማን ብዘለዋ ዋና ከተማታት ዝተሰየማ ኢየን።

ብመሰረት እዚ እታ ካብ ምፅዋዕ ናብ ቻይና ንብረት ኤርትራ ፅዒና እትጓዓዝ መርከብ መቐለ ዝብል ስያመ ከምዘለዋ ተሓቢሩ።

ኢትዮጵያን ኤርትራን ንብዙሕ ዓመታት ዝነበረን ቅርሕንቲን ጎንፀን ንምፍታሕ ዓሊሙ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመሰረት ዝሃቦ ውሳነ፥ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ሰላም ከምፅኡን ምሕዝነታዊ ልምዓት ከረጋግፁን ዝኽእሉ ውሳነታት ተዋሂባም ናብ ተግባር ተኣቲዩ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ መጓዓዚያ ኣየር፣ ርክብ ቴሌፎን ዝተጀመረ እንትኸውን ብመጓዓዚያ መድሪ ዝግበር ርክብ ንምጅማር ድማ ኣብ ከይዲ ኣሎ።