መዕርፎ ነፈርቲ: ኣብ ከተማ ብሸፍቱ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ክህነፅ ኢዩ

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ብሸፍቱ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ከምዝህነፅ ኣፍሊጡ።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ተወልደ ገብረማሪያም ንፋና ድሮድ ካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ ነቲ ዝህነፅ ሓዱሽ መዕርፎ ነፈርቲ ንምጅማር ዘኽእል ምድላዋት ይግበር ኣሎ።

ነዚ እውን ንህንፀት መዕርፎ ነፈርቲ ዝኸውን ቦታ ንምድላው ምስ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ዝርራብ ይግበር ምህላዉ ገሊፆም።

እቲ ክህነፅ ተሃቂኑ ዘሎ መዕርፎ ነፈርቲ ኩለ መዳይ ግልጋሎት ክህብ ዝኽእል ናይ ባዕሉ ሆቴል ክህልዎ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ኣብ ብሸፍቱ ዝህነፅ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ዓመት ክሳብ 80 ሚሊየን ሰባት ዘተኣናግድ ከምዝኾነ እውን ኣይተ ተወልደ ተዛሪቦም።

ብዙፋን ካሳሁን