መበል 1440 ዓመተ ብዓል ሕጅራ ኣብ መስጊድ ነጃሽ ብድምቀት ተባዒሉ

መበል 1440 ዓመተ ብዓል ሕጅራ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ መስጊድ ነጃሽ ብድምቀት ተባዒሉ።

እቲ በዓል ድሕሪ 20 ዓመት ኤርትራዉያን ስዓብቲ እስልምና ኣብ ዝተረኸብሉ ትማሊ ንፈለማ እዋን ተባዒሉ ኣሎ።

ኣብ ምኽባር’ቲ በዓል፥ መራሕቲ ሃይማኖት እስልምና፣ ተወከልቲ መንግስቲ ክልል ትግራይን ካብ ዝተፈላለያ ክልላት ኢትዮጵያ ዝመፅኡ ስዓብቲ ሃይማኖት እስልምናን ተረኺቦም እዮም።

ፕሬዚዳንት ሓፈሻዊ ቤተ ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ትግራይ ሽኽ ኣደም ኣብደልቃድር፥ ናይ ሎሚ ብዓል ዓሹራ ፍሉይ ዝገብሮ ድሕሪ 20 ዓመት ምስ ኣሕዋትና ህዝቢ ኤርትራ ብፍቓድ ኣላህ ብሓባር ክባዓል ምኽኣሉ እዩ ክብሉ ኣብቲ ብዓል ተዛሪቦም።

እቲ ዝተጀመረ ሰላም ንክቕፅልን ኣብ መንጎ ህዝቢታት ኽልቲአን ሃገራት ዘሎ ሓድነት ንክድልድልን መራሕቲ ሃይማኖት ሃይማኖታዊ ግቡኦም ክፃወቱ ከምዝግባእ ድማ ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።

ኣብ ታሪክ ንጉስ ነጃሽን መስጊድ ነጃሽን ን27 ዓመታት መፅናዕቲ ዘካየዱ ፕሮፌሰር ኣደም ከማል ፋሪስ፥ በዓል ዓሹራ ካብ ሃይማኖታዊ ፀጋታቱ ብተወሳኺ ትርጉም ከምዘለዎ ኣብሪሆም።

 

ነዚ እውን ንጉስ ነጋሽ፥ ኣብ ዓለምና ሃይማኖት እስልምና ምኽታልን ምስባኽን ነውሪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ፖለቲካዊ ዕቑባ ዝፈቐዱ፣ ማዕርነት ሃይማኖት ዝተቐበሉን ግዕዝይና ዝተፀየፉን ቐዳማይ በዓል ታሪክ ምዃኖም ሓቢሮም።

እቲ ታሪክ ድማ ኣብ ዓለምና ናይ ዝርከብ 2 ቢልየን ሰዓቢ እምነት እስልምና ውዕለታ ስለዝኾነ ነዚ ብምልላይ ናብ ቱሪዝም ምቕያር የድሊ ክብሉ ምዒዶም።

ተወካሊ ተሳተፍቲ እቲ በዓል ዝኾኑ ኤርትራዊ ሼኸ ዑስማን መሓመድ ብግደኦም፥ ህዝቢ ትግራይ ዝገበረሎም ኣቀባብላ ብምምስጋን ታሪኽ መስጊድ ነጋሽ ንምፍላጥ ከምዝሰርሑ ገሊፆም።

ኣብ’ቲ በዓል ካብ ኤርትራ ዝመፅኡ ልዕሊ 1 ሽሕ ሰዓብቲ እምነት እስልምና ብምትሕብባር ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ኣብ ዝተሳለጠ ኢትዮ ነጋሽ ስራሕቲ ዑደትን ጉዕዞን ተሳተፍቲ ኾይኖም እዮም::

ብሙሉጌታ ታደለ