ኣብ ከተማ ዓዲ-ግራት ኣብ ዝኽበር በዓል መስቀል ሓደጋ ትራፊክን ንከየጋጥም እኹል ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ተገሊፁ

(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከተማ ዓዲ-ግራት ብድምቀት ኣብ ዝኽበር በዓል መስቀል ምጭንናቕን ሓደጋ ትራፊክን ንከየጋጥም ብኣጋ ምድላዋት ይውገኑ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

ኣብ ከተማ ዓዲግራት በቢዓመቱ ዝኽበር በዓል መስቀል ሎሚ ዓመት’ዉን እቲ በዓል ብድምቀት ንምኽባር ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ይውገን ከም ዘሎ ዝሓበረ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ ዓዲግራት፥ ምስቲ በዓል ተኣሳሲሩ ከጋጥም ንዝኽእል ሓደጋ ትራፊክ ጠመተ ተዋሂብሉ ኣሎ ኢሉ።

ምስ ኤርትራ ዝተጀመረ ዕርቅን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢን እታ ከተማ ብመዓልቲ ካብቲ ልሙድ ግዘ ፍልይ ብዝበለ መልክዑ ብዙሓት ተሽከርከርትን ኣጋይሽን እናተኣናገደት ከምእትርከብ ሓቢሩ።

ስለ ዝኾነ እቲ ሐዚ ዘሎ ዋሕዚ ተሽከርከርቲን ኣጋራትን ካብ ሓደጋ ትራፊክ ዝረሓቐን ሰላማዊ ክኸዉንን ፃዕሪ እናተገበረ እዩ ክብሉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓሊስ ዞባ ምብራቕ ኮማንደር ሃፍቶም ገብረ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ መንገድታት እግረኛ ቀለም እናተቐብኡ እንትኸውን፥ ከምኡ’ዉን 25 ዝኾኑ መመልከቲ ትራፊክ ተዳልዮም ኣለዉ።

ብተወሳኺ ካብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ንዝተዉፃእፅኡ ወለንታዉያን መናእሰይ ሓፂር ስልጠና ትራፊክ እናተዉሃቦም ይርከብ ኢሎም እቶም ኣዘዚ ፖሊስ።

ኣብዚ ሰሙን ኣብታ ከተማ ሸዉዓተ ሓደጋታት ትራፊክ ከምዘጋጠመ ብምሕባር፥ በቲ ሓደጋ ህይወት ሓደ ሰብ ከምዝሓለፈን ክልተ ሰባት ግዳይ ኸቢድ መቑሰልቲ ከም ዝኾኑን እውን እቶም ኮማንደር ተዛሪቦም።