ፕሬዚዳንት ኢሳያስን ፕሬዚዳንት እስማኤል ኦማር ጊሌን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብምርኻብ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 08 መስከረም፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ፕሬዚዳንት ጅቡቲ እስማኤል ኦማር ጊሌን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብምርኻብ ተዛቲዮም።

ብምኽንያት ጎንፂ ዶብ ርክበን ኣቋሪፀን ዝነበራ ኤርትራን ጅቡቲን ርክበን ከምብሓዱሽ ንምጅማር ዘኽእል ስምምዕ ምግባረን ይዝከር።

ትማሊ ድማ ክልቲኦም መራሕቲ ፊት ንፊት ብምርኻብ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተጀመረ ርክብ ንምሕዳስ ዘኽእል ዘተ ኣካይዶም ኣለዉ።

ኣብ ቀረባ እዋን ሚኒስትራት ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ ጅቡቲ ዑደት ስራሕ ብምክያድ ርክብ ኤርትራን ጅቡቲን ዳግም ንምሕዳስ ዘኽእል ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ ምክያዶም ዝዝከር ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ኣብ እዋን ዑደት ሚኒስትራት ወፃኢ ዝተገበሩ ስምምዕነታት ብዕሊ ንምጅማር ዘኽእል ስምምዕ ትማሊ ተፈፂሙ ኣሎ።