ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሕገ መንግስቲ ኣብ ምኽባር ዝሰርሖም ዘሎ ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ይግባእ- ፕ/ት ዶ/ር ሙላቱ

ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምኽባር ዝሰርሖም ዘሎ ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ይግባእ ክብሉ ፕሬዝዳንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ገሊፆም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜን ንምእታው ሓዱሽ ዓመት ኣመልኪቱ ኣብ ዘዳለዋ መድረኽ ዝተረኸቡ ዶክተር ሙላቱ፥ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ካብ ንባዕሉ ንህዝቢን ሃገርን ከቐድም ከምዘለዎ ሓቢሮም።

ነዚ እውን ብፍላይ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምኽባር ዝሰርሖም ዘሎ ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ተላቢዮም።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብግደኦም፥ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፌደሪኢ ብህዝብን መንግስቲን ዝተውሃቦ ሓላፍነት ብዝለዓለ ጀግንነትን ህዝባዉነትን ዝተዋፀአን ዝዋፃእ ዘሎን ምዃኑ ሓቢሮም።

ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ፀላእቲ ብከባቢ ትግራይ ስለዝመፅኡ ህዝቢ ትግራይ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብሓባር ብምዃን መስዋእቲ ከምዝኸፈለ ዶክተር ደብረፅዮን ኣዘኻኺሮም።

ህዝቢ ትግራይ ንቐፃሊ’ዉን ሃገርና ምእንታን ተኸቢራ ክትነብር ምስካልኦት ብሄር ብሄረሰባትን ሀዝብታትን ኢትዮጵያ ብምዃን ካብኡ ዘድሊ ኩሉ ከወፊ ድሉው ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም።

ሰራዊት ምክልካል ነዛ ሃገር መስዋእቲ ብምኽፋል ንዘኻዕበትዎ ጅግንነት ክብሪ ከምዝግበኦም ዝተዛረቡ ዶክተር ደብረፅዮን፥ ንቐፃሊ እውን እንተኾነ ንህዝቢን ሕገመንግስቲን መሰረት ብምግባር ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ኣለዎም ኢሎም።

ስብእንኡ ዝተማለአን ዲሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎን ሰራዊት ንምህናፅ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ተጠናኺሩ ከምዝግበኦ እውን ሓቢሮም።

ዋና ኢታማጆር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጀነራል ሰዓረ መኮነን፥ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ዘመናዊን ብቴክኖሎጂ ዝማዕበለን ሰራዊት ንምህናፅ ተተሊሙ ከም ዘሎ ገሊፆም።

ሃገርና ቅድሚ ሐዚ ዘይነበራ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ 2011 ዓ.ም ንምህናፅ ዘኽእል ስራሕ ከምዝስራሕ ድማ ተዛሪቦም።

ዋና ኣዛዚ እዚ ሰሜን ሜጀር ጀነራል ጌታቸዉ ጉዲና ብግደኦም፥ ምስ ህዝቢ ዘለና ርክብ ምጥንኻርን ሰላምን ምርግጋዕን እዛ ሃገር ምቕፃልን ናይ ኩል ጊዜ ትልምና እዩ ክብሉ ገሊፆም።

ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተዳለወ መድረኽ ብስራት ሓዱሽ ዓመት፥ ብዝተፈላለየ ምኽኒያት ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝተፋነዉ ኣመራርሓ ኣፍልጦ ተዋሂቡ እዩ።

FBC

ብዮናታን ግዛቸዉ