ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ኣመራርሓ ኦነግ 5 መስከረም ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣተዉ’ዮም

ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ኣመራርሓ ኦሮሞ ነፃነት ግንባር(ኦነግ) 5 መስከረም 2011 ዓ.ም ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣተዉ’ዮም።

ብተወሳኺ 1 ሺሕን 300 ዕጡቓት እቲ ግንባር ዕጥቆም ብምርጋፍ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣትዉ ተገሊፁ።

ቅድም ክብል ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ኣመራርሓ እቲ ግንባር ኣይተ ኢብሳ ነገዎ ከምዝሓበርዎ፥ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ነቶም ዕጡቓት ኣቀባብላ ክግበረሎም ኢዩ።

7 መስከረም 2010 ዓ.ም እቲ ግንባር ኣብ ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ኣብ ዘዳልዎ መድረኽ ድማ፥ ዝተፈላለዩ ፓርቲታት ፖለቲካ፣ ምሁራንን ተወከልቲ ሕብረተሰብን ከምዝርከቡ ኣይተ ኢብሳ ተዛሪቦም።

ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ኣመራርሓ ኦነግ ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው ሰለማዊ ቃልሲ ፖለቲካ ብዛዕባ ምክያድ ብዝምልከት፥ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ለማ መገርሳን ናብ ኣስመራ ብምጓዓዝ ምስ’ቶም ኣመራርሓ ዘተ ከምዘካየዱ ይዝከር።

ብረጋሳ ፊሮምሳ