ታሪኽን ቅያን ተጋድሎ ቐዳማይ ወያነ ኣብ ልቢ ውፅዓት እንዳተኾለዐ ይነብር!

እምቢ ንመግዛእቲ፣ሓርነት ህዝቢ ይረጋገፅ፡፡ ህዝቢ ባዕሉ ንባዕሉ ይመሓዳር። ቋንቋይ፣ ባህለይ፣ ያታይ፣ ታሪኸይን መንነተይን ይከበር፡፡ኣርዑት ብዝበዛን ውፅዓን ኣይንፃወርን፡፡ ፍትሕን ሰናይ ምምሕዳርን ይረጋገፅ፡፡ ብኣስገዳድን ጎበጣን ኣይንመሓደርን ብምባል ተጋድሎ ቐዳማይ ወያነ እንትውላዕ <<ህዝቢ ትግራይ ዘመክሕ፣ ዘሐጉስ፣ ዘተኣማምንን ዘቕንእን ተቓላሳይ ህዝቢ ሙዃኑ፤ ዕዱሉ ኣብ ብርኩ ኣብ ቕልፅሙ፣ ኣብ ሰናይ ድሌቱ፤ ኣብ ሰላም ኣተሓሳስብኡ ሙዃኑ>> ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ እንዳተሰጋገረ ዝምስከረሉ ዘሎ ሓቂ ሓደ ኣብነቱ ተጋድሎን ዓወታትን ቐደማይ ወያነ ‘ዩ፡፡
ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ዝነበሮ ስልጣነ፣ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ከም ሽንቲ ጊመል ንድሕሪት ተመሊሱ፤ኣዝዩ ዝኸፍአን ዘስክሕን ጫፍ ድኽነት ኣብ እንገድዑ ፀይሩ ዘመናት ተሳጊሩ እዩ፡፡ ገዛእቲ ደርብታት እንዳተባረዩ ሕርየቱ ኣርእየምዎ። ኣብ መገዛእ ሃገሩ ከም ካልኣይ ዜጋ ተቖፂሩ ርእሱ ክደፍእ፤ብመንነቱ ክሽቕረርን ኩሉ ዓይነት ውዲትን መግዛእትን ወሪድዎ፡፡ ነዚ ሰማይ ዝዓረገ ብሄራውን ደርባውን ወፅዓ ንምምካት ብመልክዕን ትሕዝቶን ዝተፈላለዩ ተቓውሞታትን ተጋድሎታትን ተፈፂሞም እዮም፡፡ ነዚ ከምዚ ዝበለ ዘስክሕ መነባብሮ ንምምካት ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ቓልሲ ቐዳማይ ወያነ ብታሪኻውነቱ፣ ህዝባውነቱን ዘልዕሎም ሕቶታትን ዕላማታትን መሰረት ህዝባዊ ቓልሲ ውፅዓት ኮይኖም ፍሉይ ቦታን ክብርን ዝተዋሃቦምን እዮም፡፡
እዚ ንሓርነትን ንማዕርነትን ዝተገበረ ተጋድሎ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ሒዝዎ ዝተላዕለ ቅዱስ ህዝባዊ ዕላማ መሊኡ ኣይተዓወት እምበር፤ሒዝዎ ዝተለዓለ ዕላማን ዝኸፈሎ መስዋእትን ግና ብተባዓት ደቁ ዳግማይ ተወሊዑ፤ ስለ ሓርነት ውፅዓት ህዝብታት ንዓሰርተ ሸውዓተ ዓመታት መሪር ተጋድሎ ጌሩ ድሌትን ባህግን ቐዳማይ ወያነ ክስምር ኣኽኢሉ እዩ፡፡ እቶም ብቓልሲ ቐዳማይ ወያነ ዝተለዓሉ ሕቶታት ማዕርነት፣ ልምዓት፣ ሓድነትን ተኸባቢርካ ምንባርን ክውን ክኾኑ እንተይተሓለለ ናብ ግብሪ ክሸርፍ ኣኽኢሉ እዩ፡፡
ህዝቢ ትግራይ ካብ ሰናይ ጉሓቱ ሒዝዎ ዝተበገሰ ህዝባዊ ዕላማን፣ ተወፋይነትን ወፃኢ በቢእዋኑ ንዝፍጠሩን ዝምዕብሉን ፈተናታትን ብደሆታትን ናብ ፀጋ እንዳቐየረ፤ በቢመድረኹ ንዝሕተት ካብ ዝቐለለ ክሳብ ዝኸበደ ዋጋታት ብዘይምምንታእ ብምኽፋል ነቲ ሐዚ ዝበፃሕናዮ መዋእል ንምብፃሕ ዝኸኣለ ህዝቢ እዩ፡፡
ሐዚ እውን እንተኾነ ነታ ብቓልሱ ዝቐበራ ወፅዓን ኣደራዕን ካብ መቓብር ፍሒሮም ብምውፃእ ኣብ ዝባኑ ክዕንድሩ፤ብቓልሱዝረኸቦ ሰላም ክዘርጉን ልምዓቱ ንድሕሪት ክምልሱን ኩሉ ዓቕምታቶም ኣዋዲዶም ንዝተላዕሉ ዕሉላት ፀረ ህዝቢ እዚ ሓዱሽ ወለዶ እውን ልክዕ ከም ኣያታቱ ኣንፃሮም ከቲቱ ይምክቶም ኣሎ፡፡ህዝቢ ትግራይ ከምታ ናይ ወትሩ ኣብ ዕላማን መስመርን ከምዘይደራደር እናመስከረ እዩ፡፡
ቅድሚ 75 ዓመታት ሕጊ ገረብ ሕጊ ባይቶና ይኹን። ዝባን ሃይለስላሴ ዝብል ቃል ተሪፉ ዝባን ገረብ ብዝብል ተተኪኡ ኣሎ፤ ፍትሒ ብህዝባዊ ባይቶ ክትመሓዳር ኣለዋ፤ መንግስታዊ ሰበስልጣን ኮኑ ትካላት ንባይቶ ተገዛእቲ ይኹኑ፤ ንልዕልነት ባይቶ ዘይቕበል ካብ ስርቂ ክትራንን ቅትለትን ዝተረኸበ ውሕስነት የብሉን።ኣብ ወያነ ክፅምበርን ክድግፍን እንዳተገበኦ ብዘይቅንዕና እንተዘይደጊፉን ፍቓደኝነቱ እንተዘየርእዩ ቐምሽ ተኸዲኑ ኣብ ዕደጋ ክዛወር ይግበር፤ በዓል ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ድኹም ዘይፍትሓዊ ተግባራት ክፍፀም የብሉን፤ ውጥጥን ዘይምቅድዳውን ብውህደትን ሰላምን ይተካእ፤ ዝኾነ ስብኣይ ንሰበይቲ ብዘይፍቓድ ክደፍር የብሉን፤ ዘረፋ ስርቅን ክትራንን ፈፂሙ ዝተኸልከሉ እዮም፡፡ ፈፃሚኦም ድማ ብሞት ይቕፃዕ፡፡ ዓረና፣ማዕረ ኢና፣ቐንጪ ኢና ዝብል መትከል ግዘ ዘይስዕሮ ህዝባዊ መትከል እዩ ሒዙ ተበጊሱ፡፡ ሐዚ እውን ንማዕርነትን ማዕረ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ብሄር ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ክኽበር ፤ ዘርኢ መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ድማ ደዉ ክብል፤ሕዱር ሕማም ምስፍሕፋሕ ግዝኣት መልክዕ ክትሕዝ፤ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝግበር ኩሉ ዓይነት መሰሪ ተግባራት ድማ ደው ክብል ይግባእ፡፡ ኣብዛ ብደምን ኣዕፅምትን ውፅዓትን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ዝቖመት ሃገር ንልዕልነት ሕጊን ሕገ መንግስትን ጥሒስካ ዝግበር ኩሉ ዓይነት ኣድልዎን ውፅዓን ሐዚ’ውን ከም ቀደምና ክንምክት ሕድርን ፅንዓትን ኣያታትና ሰኒቕና ዳግም ዓወት ክንዓትር ክንረባረብ ኢና፡፡
ፀረ ህዝቢ ሓይልታት ነዚ መዘና ኣልቦ ታሪኽ ዝሰርሐ ህዝቢ ዘይመንነቱ ከሐንግጡን ገባቲ ሸውሃቶም ከርውዩ ዝገብርዎ ዓንቃፊ ተግባራትን፤ ኣብ መንነት ህዝቢ ዝግበር ወራርን ደው ክብል ከምታ ናይ ወተሩ ህዝቢ ትግራይ ብፅንዓት ደው ኢሉ ይርከብ፡፡ ንሰላምና፣ ልምዓትናን ህልውናን ዘይንኽፍሎ ዋጋ የለን እሞ!!!
ክብርን ሞጐስን ንጀጋኑና !
ቓልሲ ቐዳማይ ወያነ …
ብወለዶታት እንዳተዘከረን እንዳተመስገነን ክነብር ‘ዩ!