108 ተምሃሮ ተፈተንትቲ 10ይ ክፍሊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቀላሚኖ 4 ነጥቢ ረኺቦም

108 ተምሃሮ ተፈተንትቲ 10ይ ክፍሊ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቀላሚኖ ውፅኢት ፈተነኦም 4 ነጥቢ ብምምፃእ ፀብለልታ ብቕዓቶም ኣረጋጊፆም።

ሎሚ ዘበን ኣብ ዝተውሃበ ሃገራዊ ፈተና ዓስራይ ክፍሊ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቀላሚኖ 153 ተምሃሮ ዝተፈተኑ እንትኾኑ፥ ካብ’ዚኣቶም እቶም 92 ዝተፈተንዎ ዓሰርቲኡ ዓይነት ትምህርቲ ሙሉእ ብሙሉእ “A” (10 A) ከምፅኡ ክኢሎም ኢዮም።

16 ተምሃሮ ድማ ካብ 7 ክሳብ 9 “A” ብምምፃእ ብድምር ውፅኢት 4 ነጥቢ ከምዝረኸቡ ኣብ ፌስ ቡክ ገፅ እቲ ቤት ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረጋግፅ።

እቶም 30 ተምሃሮ 3.86 ዝረኸቡ እንትኾኑ፥ ሸሞንተ ተምሃሮ ካብ 3.57 ክሳብ 3.71፣ ሸውዓተ ተምሃሮ ካብ 3 ክሳብ 3.42 ረኺቦም ኣለዉ።

ብድምር ኣብ 2010 ዓ.ም ሃገራዊ ፈተና ዓስራይ ክፍሊ ካብ ዝተፈተኑ 153 ተምሃሮ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህረቲ ቀላሚኖ እቶም 108 ተምሃሮ 4 ነጥቢ ብምምፃእ ብቕዓቶም ኣረጋጊፆም ኣለዉ።

ብደስታ ተካ