ኣብዚ ሓድሽ ዓመት መሰረታዊ ፀገማት ንምፍታሕን ሓድነት ንምጥንካርን ዘክእሉ ስራሕቲ ንምስላጥ መላእ ኢት/ያውያን ክረባረቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ፀዊዖም።

ኢት/ያውያን ብምትሕግጋዝን ብሓድነትን ተኣምራት ክሰርሑ ከምዝክእሉ እሙን’ዩ ኢሎም ሰናይ ትምኒት ሓድሽ ዓመት እንትገልፁ።

ወገን ንወገን ብዝብል መንፈስ ሰብኣዊነት ኩሉ እናተሓጋገዘ ሓድሽ ዓመት ብተስፋ ምቅባል ወሳኒ ምኳኑ ሓቢሮም።

ኢት/ያውያን ውሽጣዊ ሰላምና እንተዓቂብና ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ክሰርሕ ዝክእል መንእሰይና እንተለዓዒልናን ንካልኦት ምሕጋዝ ዝቀለለ’ዩ ዝበሉ ዶክተር ኣብይ ውሽጣዊ ፀገማትና ብውሽጣዊ ዓቅምና ክንፈትሕ ይግባእ ኢሎም።

ሓድሽ ዓመት ዓመተ ሰላም፣ፍቅሪን፣ሓድነትን ክከውን ድማ ተመንዮም።