1300 ሰራዊት ኦነግ ካብ ኤርትራ ናብ ዓዲግራት ኣትዮም

1300 ሰራዊት ኦነግ ካብ ኤርትራ ብዘላምበሳ ኣቢሎም ሎሚ ምሸት ናብ ከተማ ዓዲ ግራት ኣትዮም።

ምምሕዳር ዞባ ምብራቕን ከተማ ዓዲ ግራትን ድራር ኣንጊዶም መሕደሪ ሂቦም የተኣናግድዎም ኣለዉ።

እቶም ኣጋይሽ ንጉሆ ኣብ ኣደራሽ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓዲግራት ቁርሲ ተኣንጊዶም ናብ መቐለ ከምዝስነዩ ምክትል ኣማሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ፈረደ ንቢቢሲ ገሊፆም።

ኣባላት ሰራዊትን አመረኣርሓን ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ናብ ኣዲስ አበባ ፅባሕ ክኣትዉ ተባሂሎም ትፅቢት ይግበረሎም።

ይኹን’ምበር፡ ኣብ መንጎ ደገፍቲ እቲ ግንባርን መናእሰይ ኣዲስ አበባን ብባንዴራን ኣርማን ዝተልዓለ ብዝተፈጥረ ጎንፂ እታ ከተማ ስግኣት ኣንፀላልዩዋ ትረአ።