መበል 13 ውድባዊ ጉባኤ ህወሓት ካብ 16 መስከረም 2011 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳለጥ ‘ዩ፡፡

መበል 13 ውድባዊ ጉባኤ ህወሓት ካብ 16 መስከረም 2011 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳለጥ ‘ዩ፡፡
ኣብ ወርሒ መስከረም ዝካየድ ጉባኤ ውድብ ህውሓት ነቲ ዘሎ ወቕታዊ ክልላዊ፣ ሃገራውን ፣ዓለምለኻውን ኩነታት ብምትንታን ንቕድሚት መቃለሲ ዝኾኑ ኣንፈታትን ሓደሽቲ ውሳነታትን መሰረት ገይሩ ከምዝሳለጥ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ኣይተ ኣለም ገ/ዋህድ ሎሚ ዕለት 08 መሰከረም 2011 ዓ/ም ኣብ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለፂ ገሊፆም፡፡

እዚ 1300 ብድምፂን ብዘይ ድምፂን ተሳተፍቲ 350 ድማ ተዓዘብቲ ብሓፈሻ 1650 ተሳተፍቲ ዝሳተፍሉ መበል 13 ጉባኤ ውድብ ህዉሓት “ህዝባውነትና መሰረት ፅንዓትናን ዓወትናን” ብዝብል መርሒ ሓሳብ ከምዝ ክካየድ ተሓቢሩ ፡