ኣብ መንጎ ትግራይን ኤርትራን ማእኸል ሰላምን ትራንስፎርሜሽንን ክጣየሽ ተሃቂኑ።

ርክብ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ንምጥንኻር ብመስመር ወረዳ መረብ ለኸ ኣብ ዝርከብ መዋሰኒ መሬት ክልቲኡ ዓዲ፣ ኣብ ጎላጉል ሩባ መረብ ህንፀት ሓይሊ ሰብ ዝካየደሉን ፀጋታት እቲ ከባቢ ኣብ ረብሓ ዘውዕልን ማእኸል( ኢንስቲትዩት) ሰላምን ትራንስፎርሜሽንን ክጣየሽ ምዃኑ ምሁራን ትግራይን ኤርትራን ገሊፆም።


ሓሙሽተ መስከረም 2011 ዓ.ም ኣብ ወረዳ መረብ ለኸ ሩባ መረብ ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ ሰላምን ምሕዝነትን ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ካብ ዝነበሩ ፕሮግራማት ንምጥያሽ እቲ ኢንስቲትዩት ብስራት ዝተዘረበሉ እዩ። ካብቶም ነቲ ብስራት ዝገለፁ ኣካላት ምሁር ሃገረ ኤርትራ ዝኾኑ ዶ/ር በረኸት ብርሃነ፣ ቅድሚ 20 ዓመት ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ብዝተፈጠረ ጎንፂ ክኽፈል ዘይግብኦ መስዋእቲ ከም ዝተኸፈለ ኣዘኻኺሮም።

“ሰላም ልክዕ ከም ሓደ ተኽልን ህፃንን ክንክን የድልዮ” ዝበሉ ዶ/ር በረኸት፣ እዞም ኣሓት ህዝብታት ንሰለማዊ ርክቦም ዘጠናኽር ትካል ክህሉ ምግባር ኣገዳስነት ከምዘለዎ ገሊፆም። እቲ ትካል፣ ዋሕስ ሰላም ክኸውን ዝኽእል ንሰላም ዕምቆትን ስፍሓትን ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ውሕስነት ክህሉ ዘግብር ከም ዝኾነ ድማ ኣረዲኦም።


ካብ ምሁራን ትግራይ ብዛዕባ እቲ ኢንስቲትዩት ኣመልኪቶም ሓሳብ ዘቕረቡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ተመራማሪ ዝኾኑ ዶ/ር ክንፈ ኣብርሃ ብወገኖም፣ “ኣብ መዛዘሚ 2010 ዓ.ም ካብ መላእ ዓለም ዝተውፃእፅኡ ተጋሩ ምሁራን ሩባ መረብ ክለምዕ ዝኽእልን ብዙሕ ፀጋ ዝሓዘ ምዃኑን መፅናዕቲ ገይሮምሉ እዮም” ኢሎም። እቲ ኢንስቲትዩት ብምትሕብባር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፊልበርግ ፍልጥቲ ተመራማሪት ምስ ዝኾና ፕሮፌሰር ሚሪጃም ባንሬዘንን ካልኦት ኣካላትን ከምዝጣየሽ ኣብሪሆም። ከም መግለፂ ዶ/ር ክንፈ፣ መፀውዒ ስያመ እቲ ትካል “ ኢንስቲትዩት ሰላምን ትራንስፎርሜሽንን ኣብ መረብ” እዩ።
ንህንፀት እቲ ኢንስቲትዩት ምስ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ምዝርራብ ዝተገበረሉ ምዃኑ እውን ወሲኾም ገሊፆም። ብመሰረት እቲ ምዝርራብ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ “ ቀፅሪ ኤርትራ” ብወገን ኤርትራ ከዓ “ ቀፅሪ ኢትዮጵያ” ዝብሉ ትካላት ክህልውን ቀስ እናበሉ ናብ ዩኒቨርሲቲ ክዓብዩን ምዃኖም ምንቅስቓስ ድማ ከም ዝተጀመረን እዩ ኣብቲ መድረኽ ተሓቢሩ። እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ቀረባ እዋን ተግባራዊ እንትኸውን ኣብቲ ከባቢ ንዘሎ ፀጋታት ተፈጥሮን ሰብኣዊ ሃፍትን ዘልምዕ ምዃኑ ካብ መብርሂ እቶም ምሁራን ተገንዚብና።

Woyen