“ኣቱም ጉባኤተኛታት ንህዝብና ኢሎም ዝሓለፉ ብፆት ስውኣት ኣብዚ ጉባኤ ዳግም ምሳና ብኣካል ኣይርከቡን፡፡ ግናኸ ነንሕድሕድና ዝሓዝናዮ መርገፅን ንውስኖ ውስነን ብመንፈስ ክዕዘቡና እዮም፡፡

“ኣቱም ጉባኤተኛታት ንህዝብና ኢሎም ዝሓለፉ ብፆት ስውኣት ኣብዚ ጉባኤ ዳግም ምሳና ብኣካል ኣይርከቡን፡፡ ግናኸ ነንሕድሕድና ዝሓዝናዮ መርገፅን ንውስኖ ውስነን ብመንፈስ ክዕዘቡና እዮም፡፡ በዚ ታኻዊ ጉባኤ ዝተራኸብና ሕድሕድና ሕድሪ ስውኣትና ከየዕበርና ንህዝብና ዝጠቅም ሓሳባትን ውሳነታትን ክነሕልፍ ዲና ወይስ ካሊእ ሸርሒ ክንሰርሕ? ኩሉ ሕድሪ ስውኣትና እንተይጠለመ ንህዝባና ዝጠቅም ንባዕሉ ዘየጣዕስ ታሪኽ ንምስራሕ ድልው ከምዝኾንኩም ጉባኤና ንምዝራግ ብየማንን ፀጋምን ዝግበር ዘሎ ወፍርን በለካ ለኽዐካን ንጎኒ ገዲፍኩም ኩሉ ቁዋምኩም ንህዝብን ህዝብን ጥራሕ ዝጠቅም ኣብ ክልልና ሓዱሽ ናይ ለውጢ ምዕራፍ ዘበስር ንሃገር አወንታዊ ኣስተዋፅኦ ዝገብር ዕውትን ታሪኻዊ ውሳነታት ከም እትውስኑ ይኣምን፡፡” ዶ/ር ደብረፅዮን መበል 13 ጉባኤ ህወሓት