#ዓወታትና ንምፅብፃብ ጥራሕ ዘይኮነስ… ዓወታትና ብልክዖም ተገንዚቡ ህዝብናን ኣባልናን ክዕቅቦምን ንዝያዳ ዓወት ክምርሽ ይግባእ። ኣንፀባረቕቲ ዓወታት ጉዕዞ ህዳሰ ኢትዮጽያ ብዝብል ርእሲ ዝተሰናደአ ፅሑፍ ጉባኤተኛ መበል 13 ጉባኤ ህወሓት ብሙሉእ ድምፂ ቅቡል ጌሩ ኣፅዲቕዎ። ንዉድብና ካብ ዝገልፅዎ ባህርያት /መለለይ ሕላገቱ ብቢ እዋኑ ንዘየቋርፅ ምዕባለ ዝተግህ… ኣብ ንፁር ራእን ዕላማን ተመስሪቱ ብገስጋስ ሳይንሳዉን ሓሳባት እናተመርሐ ዝጓዓዝ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ብልምዓታዊ ዴሞክራስያዊ መስመሩ እንዳተመርሐ ኣብ ሰላም ፣ ስሉጥ ፍትሓውን ቐፃልነት ዘለዎ ልምዓትን ፤ ዴሞክራስን ዘመዝገቦም ዓወታት ኣብነታውያን እዮም። ውድብ ኢህወዴግ ከም መደምደምታ ገምጋም ኣብ ወገን ህዝቢ ኮይኑ ዝፈፀሞም ክእረሙ ዝግበኦም ዓበይቲን መሰረታውያንን ቑልፊ ሽግራት ከምዘለዎ’ምበር ኣብ ሕሉፋት 27 ንዝተመዝገቡ ዓወታት ዘሰርዝን ዘኽሕድን ጭቡጥ መርትዖ የለን።እቲ ኣፍቲ ጉባኤ ንምይይጥ ዝተዘርገሐን ብሙሉእ ድምፅን ዝፀደቐ ፅሑፍ እዉን ንዝተመረፁ ኣመላኸቲ ዘፈራት መርትዖተትን ኣሃዛትን ደጊፉ እቲ ሓቂ ቁልጭ ኣቢሉ ዘርአየ እዩ። ብመሰረት እዙይ እቲ ፅሑፍ ዝሓዞ ቁልፊ ርእሰጉዳያት ዓወታትና እዞም ዝስዕቡ እዮም። ##ሃገር ካብ ምብትታንን ምትህልላቕን ዘድሐነ ኣብ ምስፋን ሰላምን ህንፀት ዴሞክራሲ ስርዓትን ማለት ( ንምስፋን ሰላም ዝተገበረ ቃልስን ውፅኢቱን፤ ምዕምባብ ሕገ መንግስታዊ ዴሞክራሲ…ቀረፃን ምፅዳቀቕን ሕገመንግስቲ፣ ምኽባር ሰብኣዉን ዴሞክራስያዉን መሰላት፣ ሕብረ ፓርትያዊ ስርዓትን መረፃን፣ ህንፀት ትካላት ዴሞክራሲ፣ ናፅነት መራኸብቲ ሓፋሽ፣ ዝተወደበ ዴሞክራስያዊ ተሳትፎ ሓፋሽ፣ወዘተ) ##ካብ ዝኸፍአ ምንቁልቋል ናብ ስሉጥ ዕብየት ዝተሰጋገረ ቁጠባዊ ጉዕዞ (ለዉጥን ምዕባለን ልምዓት ሕርሻና፣ ኢንዳስትሪ፣ ልምዓት ዘፈር ኣገልግሎት ድማ መንገዲ፣መንገዲ ባቡር፣ቴሌኮም፣ልምዓት ፀዓት(energy) ፣መስተ ማይ፣ መጓዓዓዝያ ኣየር፣ ብተወሳኺ እዉን ኣብ ማሕበራዊ ልምዓት ማለት ትምህርቲን ጥዕናን ወዘተ ዘመዝገብናዮም ዓወታት) ##ንልምዓት ዝድግፍ ምሕደራን መንግስታዊ ኣገልግሎትን ንምፍጣር ዝተገበረ ፃዕርን ውፅኢቱን ##ሃገራዊ ጥቕምናን ሰላምናን ዘዉሓሰ ጉዕዞ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃእን ሃገራዊ ደሕንነትን ዝብሉ ርእሰ ጉዳያት ዝሓዘ ፅሑፍ “ኣንፀባረቕቲ ዓወታት ጉዕዞ ህዳሰ ኢትዮጵያ ” ብሙሉእ ድምፂ ፀዲቑ።