ኣባላት ፕሬዚዲየም መበል 11 ስሩዕ ጉባኤ ዕላዊ ኮይኖም

ኣብ ከተማ ሃዋሳ ዝሳለጥ ዘሎ መበል 11 ስሩዕ ጉባኤ ኢህወዴግ ኣባላት ፕሬዚዴም መሪፁ።

እቲ ጉባኤ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ዝተኸፈተ እንትኸውን፥ ኣቦ መንበር ኢህወዴግ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ መደረ ብምስማዕ ብስሩዕ ምኽፋቱ ኣብሲሮም ኢዮም።

ድሕሪ ምኽፋት እቲ ጉባኤ ፀብፃብ ኢህወዴግ ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር ኣቕሪበን።

ብመሰረት እዚ ነቲ ዝቐረበ ፀብፃብ ኣብ ምዝታይ ይኹን ኣጠቓላሊ እቲ ጉባኤ ዝመርሑ ኣባላት ፕሬዚዲየም፥ ኣቦመንበራት ኣርባዕቲአን ኣሓት ውድባት ንክኾኑ ተሓሪዮም።

ስለዝኾነ ኣቦ መንበር ኦዲፒ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፣ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፣ ኣዶ መንበር ደኢህዴን ወ/ሮ ሙፋሪያት ካሚልን ኣቦ መንበር ኣዴፓ ኣይተ ደመቀ መኮነንን ኣባላት ፕሬዚዲየም ብምዃን ተሓሪዮም ኢዮም።

ኣብቲ ዝሳለጥ ጉባኤ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተሳለጠ ዓስራይ ውድባዊ ጉባኤ ኢህወዴግ ዝተወሰኑ ውሳነታት ዘለዎም ኣፈፃፅማ ብዝምልከት መበገሲ ፀብፃብ ብምቕራብ ግምገማ ክካየደሉ ኢዩ።

ብተወሳኺ ኣብዛ ሃገር መሰረታዊ ለውጢ ከምፅኡ ዝኽእሉ ታሪኻዊ ውሳነታት ክውሰኑ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ካብዚ ሓሊፉ ኣቦ መንበርን ምኽትል ኣቦ መንበርን ኢህወዴግ ክምረፁ ኢዮም።

መበል 11 ስሩዕ ጉባኤ ኢህወዴግ ካብ 23 ክሳብ 25 መስከረም 2011 ዓ.ም ንሰለስተ መዓልታት ክካየድ እዩ።