ናብ ትግራይ ዝመፅኡ ተምሃሮ ዩንቨርሲቲ ሰላሞም ተሓልዩ ስሩዕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንክቕፅሉ ዘኽእል ምድላዋት ተገይሩ-ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል

ትግራይ ዝመፅኡ ተምሃሮ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሰላሞም ተሓልዩ ስሩዕ ናይ ምምሃር ምስትምሃር ከይዲ ንክቕፅል እኹል ምድላዋት ከምዝገበረ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣፍሊጡ።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሎሚ መዓልቲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ተምሃሮ ብሰላም ንክመሃሩ ፍሉይ ትኹረት ተዋሂብዋ እናተሰርሐሉ እዩ ኢሎም።

ናብ ትግራይ ዝመፅኡ ተምሃሮ ዩንቨርስቲ፥ ሰላሞም ብምሕላዉ ብትምህርቶም ዉፅኢታዊ ክኾኑን እወንታዊ ምስሊ ክልልና ተጠናኺሩ ንክቕል ፃዕሪ ከምዝግበር እውን ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ደቆም ኣብ ኣብ ትግራይ ናብ ዘለዋ ዩንቨርስቲታት ዝልእኹ ስድራ ክሻቀሉ ከም ዘይብሎም ዝሓበሩ ዶክተር ደብረፅዮን፥ ደቆም ናብ ቤተሰቦም ከም ዝለኣኽዎም ጌሮም ክሓስቡ ኣሎዎም ኢሎም።

ተምሃሮ ኣብ ፃንሒቶም ዝኾነ ዓይነት ፀገም እንተጋጢምዎም ብሰላማዊ መንገዲ ክሓቱ ሙሉእ መሰል ከምዘለዎም እውን ተዛሪቦም።

ነዚ እውን መንግስቲ ክልል ትግራይ ምስተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ዝራኸበሉ መድረኻት እናዳለወ ከምዝዝቲ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ካብ ካልእ ክልል ዝመፅኡ ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ዝኾነ ፀገም አንትገጥሞም ከም ውላድ ከምዝተኣናገዱን እንተጥፊኦም ድማ ከምዝመዓዱን ኣቐዲሞም ፈሊጦም ክመፅኡ ከምዘለዎም ዶክተር ደብረፅዮን ገሊፆም።

ተምሃሮ ስግኣት ንከይህልዋምን ሰላሞም ተሓሊዉ ንክመሃሩን ዘኽእል ብመንግስቲ እኹል ምድላው ከምዝተገበረ ድማ ተዛሪቦም።

FBC