ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ካብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ

ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ምእንተ ፍትሕን ማዕርነትን ህዝብታት ረዚን መስዋእቲ፣ መጉዳእትን ኩሉ ዓይነት መስገደላት ኸፊሉ
እዩ፡፡ እዛ ሃገር ኣትያቶ ካብዝነበረት ጉዕዞ ምንቁልቋልን ደልሃመትን ንምድሓን ዝተፈለየ መስዋእቲ ዝኸፈለን፣ ነዛ ሐዚ ተፈጢራ ዘላ ሃገር ንድሕንነታ ሰብ ኰይኑ ልዕሊ ሰብ ደምዩን፣ ተሰንኪሉን እዩ፡፡ ከም ህዝቢን ውድብን ድማ ብዝኸፈልናዮ መስዋእትነትን ብዘመዝገብናዮም ዓወታትና ኣዚና ንሕበንን ንኾርዕን፡፡ ከምዚ ዝበለ መስዋእቲ ዝኸፈለን፤ ወናኒ ወርቃዊ ታሪኽን ዝኾነ ህዝቢ፣መንግስትን ውድብን ድማ፣ ሰብ ዋና ለውጢን ምዕባለን እምበር በዓል ዋና ኹሉ ዓይነት ጥፍኣትን ድኽመትን ክኾን ኣይኽእልን፡፡
ካብ ሰናይ ጉሓቱ ቦኽርን ሕሳስ ልደን ዝኸፈልናሉ ሚስጢር ዝሓሸ ሰላም፣ ልምዓት፣ ዴሞክራስን ፍትሕን ብምርግጋፅ ኣብዛ ሃገር ብ/ብ/ህዝብታትን ብማዕርነት ዝነብሩላን ዝኽበሩላን ስርዓት ንምትካል እዩ፡፡ በዚ ዝኽፈልናዮ ማእለያ ኣልቦ መስዋእቲ ድማ የመና ንሕበንን ንኾርዕን እምበር ርእስና ዘድንን ዘሰክፍ በሰር የብልናን፡፡
ከም ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ወፅዓን ባርነትን ከምዘይንቕበል ኹሉ፤ ንኻልእ ህዝቢ’ውን ኣይንምነየሉን፡፡ ይኹን’ምበር ክጐብጠና ንዘድሊ ዝኾነ ሓይሊ ፍፁም ከምዘይንምብርከኽ ድማ ናይ ትማሊ፣ ናይ ሎሚ፣ ናይ ፅባሕን ናይ ወትሩ ነቕ ዘይብል ቃልኪዳና እዩ፡፡ ከም ህዝቢ ትግራይን መንግስትን ኣይብላዕሊ ኣይብታሕቲ ቐንጪ ኾይና ብሰላም፣ ብማዕርነትን ምክእኣልን ክነብር ከምንደሊ ብቐይሕ ደምናን መስዋእትነትናን ዘረጋገፅናዮ ዘበን ተሳጋሪ ታሪኽና ዝምስክሮ ሓቂ እዩ፡፡
ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ
ንፍትሒን ንሰላምን ደሚኻን ተሰንኪልኻን ኢኻ፡፡ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካል፣ ንፍትሒን ልዕልነት ሕግን ቅድሚ ዝሃገረ ተቓሊስካን እናተቓለስካን ትርከብ፡፡ ኣብዚኦም መሰረታዊ ጉዳያት ምጥሓስን ምሽርራፍን እንትረአ እዉን ፣ ቐልጢፍካ ኩነታት ትግምግምን ትእርምን፡ ዓቕምን ኩነታትካን ክንዲ ዝፈቐዶ እዉን ብዘይንሕስያ ኣብ ግዕዝይና፣ ፀረ-ዴሞክራሲን ምጉዳል ፍትሕን ካልኦት መሰል ፀገማትን እንትትረክብ ዉሽጥኻ ሪኢኻ ዘየላጢ ዉሳነ ከምተዕርፍ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝተሳለጠ ገምጋም ብዕምቖት ምህዳስ ዝገበረካዮ ቓልሲ ኣብነት እዩ፡፡ ካብ ታሪኽና እውን ኣብዚ መዳይ ዝራኣዩ በሰራት ንምእራም ተደራዲርና ኣይንፈልጥን፡፡ ሕዚ እዉን ከም ህዝቢ፣ መንግስትን ውድብን ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ንልዕልነት ሕግን ፍትሒን እንዳተቓለስና ንርከብ፡፡
ኣብቲ ሕዚ ዝረአ ዘሎ ሃገራዊ ኩነታት እዉን እንተኾነ ፣ ኣብ ግዕዝይና፣ ምጉዳል ፍትሕን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ንሓደ ከባቢ ወይ ብሄር ብዝተፈላለየ ዘጥቅዕ ጥራሕ ዘይኮነስ ዘምስል በሰር እዉን ከይረአ ብምቅላስ፡ብሓፈሻ ድማ ብሃገር ዝነበረን ዘሎን ድኽመታት ናይ ኩሉ ኣመራርሓ፣ መንግስትን ውድብነ ሽግረ እምበር ናይ ሓደ ከባቢን ህዝብን ፀገም ኣይኮነን፡፡ ምእንተ እዙይ ብማዕረ ኣገባብን ልዕልነት ሕጊ ብዘረጋግፅን ኣብ መረዳእታን መርትዖን ዝተመስረተን ኣብ ዝተመረፀ፣ ዉሑዱን መምሃሪን ንክኸውን ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሃገርና ንዝተፈፀመ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ጥሕሰት ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ግዕዝይናን ብማዕረ ክረኣ ኣብ ዝተኻየዱ ናይ ኢህወዴግ መድረኻት ኣጥቢቕና ገሊፅና ኢና፡፡ ሃገርና ብዕርቅን ይቕሬታን መበገሲ ተገይሩ ንትወስዶ ዘላ ስጉምቲ ንድሕሪት ብዝምልስ ከይኾንን ልዕልነት ሕጊ እንተይተሸራረፈ ንክፍፀም፤ ኣዝዩ ጥንቃቐ ዝሓትት ምዃኑ ብፅንዓት ንኣምን፡፡ ከምዚ እንትረአ ድማ ብዘይዋዓል ሕደር ኣትሪርና ንቃለስ ምዃንና ነረጋግፅ፡፡
ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ነቲ ኩነታት ፈሊጡ ቅዋምን መማረፅታትን እንዳቐመጠ፤ ብስርዓት፣ ብትዕግስትን ምስ ረብሓ ህዝቢ ብዘይጓነፅን ኣገባብ ክፍፀም ብጥብቂ ዝከታተሎ ዝነበረን ዘሎን ጉዳይ እዩ፡፡ ናይ ሓፂር፣ ማእኸላይን ናይ ነዊሕ ግዘን መፍትሒታት ኣቐሚጡ፤ ሓድነቱ ኣጠናኺሩ እንዳተቓለሰ እውን ይርከብ ፡፡ኣብቲ ተጀሚሩ ዘሎ ጉዳይ ምኽባር ልዕልነት ሕጊ እዉን እንተኾነ ኣካይድኡን ዉፅኢታቱን ካብ ዝኾነ ሓይሊ ፅዕንቶ ናፃ ኮይኑ ንኽፍፀም ብኣፅንኦት ንከታተሎን ኣብ ከይዲ ምፅራይ ኣግባብነት ብዘለዎ መንገዲ ንኽካየድ ብትረት ከምንቃለስ ክነረጋግፅ ንፈቱ፡፡

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ
ክሳብ ሕዚ ዘርኣኻዮ ዓቕሊን ተገዳስነትን እንዳንኣድና፤ ሕዚ እውን እታ ሃገር ዘላቶ ኩነታት ኣሰካፊን ኣብ ከቢድ ሽግርን ከምዘላ ዝካሓድ ኣይኮነን፡፡ ንጭቡጥ ኩነታት ዝተረዳእኻሉን ዝተንተንካሉን ብልሒ ዓቂብካ፤ ሓድነትካ ዝያዳ ብምጥንኻር ኣብ መትከልካን ዕላማኻን ፅናዕ፡፡ ከባቢኻ ብጥቡቕን ኩለመዳይን ሓሉ፡፡ናይ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ስራሕትኻ ኣጠናኺርካ ቐፅል፡፡ ንዝመፅእ ዝኾነ ይኹን ፀገም ከምታ ወትሩኻ ምስ መንግስትኻ ተሰሊፍካ መክት፡፡እዚ ክሳብ ዝገበርካ ድሕንነትን ምርግጋእን ከባቢኻ፣ ክልልካን ሃገርካን ናብ ንቡር ምምላሱ ኣይተርፎን።
ኣብ ታሪክ ጉዕዞ ቓልስኻ ኣዝዮም ሕሱማት ሕልክላኻትን፣ ንምዝራቦምን ምግላፆምን ዝኸበዱ ዓፀባታት ቓልሲ ዘጋጠሙኻ እንትኾኑ፣ ንኹሎም ከከም ኣመፃፅአኦም ብምምካት፣ ኩሉሻዕ ዝኹላዕን ዘሕብንን ታሪኽ ዝፈፀምካ ኢኻ እሞ፣ ሕዚ እዉን ብዝረኣዩ ፀገማትን ሽርሕታትን እንተይተንበርከካ ፣መሰረታዊ ዕላማኻን መስመርካን ኣፅንዕ። ሓድነትና ይደልድል። ከምታ ናይ ወትሩና ዘይንሰግሮ ፀገም ከምዘየለ ደጊምና ነረጋግፅ ፡፡
ሕዚ ዝረአ ዘሎ ኩነታት እዉን እንተኾነ ሓዱሽ ስግኣትን ጥርጣረን ዝፈጥርን ናይ ዝኾነ ብሄር ብፍሉይ ዝጥቀዐሉን ከይኾን፣ ብኣዝዩ ዝላዓለ ሓላፍነትን ጥንቃቐን መስመር ክሕዝ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ምስ ዴሞክራስያውያን ሓይልታትን ብ/ብ/ህዝብታት ሃገርናን ከምቲ ልሙድ ናይ ቃልሲ ሓድነትካ ኣደልዲልካ ክትቃለስ ብ/ክ/መ/ትግራይ ይፅውዕ፡፡
ዘለኣለማዊ ኽብርን ሞገስን ንሰማእታትና
ብ/ክ/መ/ትግራይ
4/03/2011 ዓ.ም
መቐለ